ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣመሪካ ሓድሽ ክታበት ኮቪድ19 ተፈቒዱ


ንብቕዓትን ድሕነትን መግቢን መድሃኒት ዝቆጻጸር ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ኣመሪካ፡ ትማሊ ረቡዕ፡ ኖቫክስ (NOVAVAX) ዝተሰምየ ሓድሽ ጸረ-ኮቪድ19 ክታበት ንዓበይቲ ክወሃብ ኣፍቂዱ። እዚ ናይ ህጹጽ እዋን ክታበት ንልዕሊ 18 ዓመቶም ዝወሃብ ኰይኑ፡ ኣብ ክልተ እብረ ዝወሃብ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ከም ሓበሬታ እቲ ወጺኡ ዘሎ መግለጺ፡ ኖቫክስ ካብቶም ኣብ ኣመሪካ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ዘለዉ ፋይዘርን ሞደርናን ዝያዳ ናብቲ ንቡር መስርሕ ክታበት ዝቐረበ’ዩ። ክኢላታት ድማ ሚልዮናት ካብ ምኽታብ ዘዕጠጥዩ ዘለዉ ዜጋታት በዚ ሓድሽ ክታበት ክተባብዑን ክኽተቡን ተስፋ ገይሮም ኣለዉ።

ማእከል ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ (CDC) ነዚ ሓድሽ ተፈቒዱ ዘሎ ክታበት ኣመልኪቱ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ መምርሒ ትግባረ ክወጽእ ትጽቢት ይግበር። ኣመሪካ ድሮ 3.2 ሚልዮን መጠን ክታበት ኖቫክስ ዓዲጋ ኣላ።

XS
SM
MD
LG