ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ኣብ ከተማታት ወልድያ፡ መርሳን ቆቦን ኣብያተ ንግዲ ይዕጸው፡ መንእሰያት ይእሰሩ ከምዘለው ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማታት ወልድያ፣ መርሳን ቆቦን ወጥሪ ምቕፃሉን ኣብያተ ዕዮን ትካላት ንግድን ተዓፂዮም ከምዘለውን መናእሰይ ይእሰሩ ከምዘለውን ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ገሊፆም።

መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀመ ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ናይቲ ክልል እውን ገሊፆም ኣለው።

ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማታት ወልዲያ፣ቆቦን መርሳን ተቓውሞ፣ግጭት፤መቕተልትን ዕንወት ንብረት ካብ ዝጅመር መበል 11 መዓልቱ ኣቑጺሩ’ሎ።

ከም መግለፂ ነበርትን ናይቲ ክልል መንግስትን ኣብ ናይ ቀዳም ናይ መርሳ ግጭት እንተወሓደ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም፡ ቆሲሎም ንብረት ዓንዩን።ሎሚ ድማ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ዓድን መናእሰይን ናብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ብምኻድ እሱራት ንክፍትሑ ምሕታቶም ተዛሪቦም ኣለው።

ዓበይቲ ዓዲ ምስቶም ከንቲባ ክዘራረቡ ከለው መናእሰይን ዕጡቓትን ብዝተፈጥርዎ ግጭት ሰባት ከምዝተቐጥቀጡ ኣብቲ ከባቢ ነይረ ዝበለን ስሙ ከይግለፀሉ ዝሓተተን ይገልፅ።

“ኣብ ማእኸል መንገዲ ቀርቂሮም ኣምበርኪኮም ብዝለዓለ ደረጃ እዮም ቀጢቂጦም ወሲዶምዎም።ሕዚ ናብ ፅሪጊያ ምውፃእ ኣይክኣልን ኣዚዩ ዘፍርሕ እዩ።”

ከንቲባ ከተማ መርሳ ኣቶ ኣድሴ መለሰ እታ ከተማ ምዕናዋን ብደረጃ ኢትዮጵያ ዘሰቅቕ ዝበሉዎ ናይ ንብረት ምዕናውን ምብራዕ ተግባር ተፈፂሙ ክብሉ ዓበይቲ ዓዲ ኣውጊዞምዎ እዮም ይብሉ።

“ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ዝተኻየደ ልዝብ ዝተፈፀመ ተግባር ትኽክል ኣይኮነን ክብሉ ኣውጊዞምዎ እዮም።ኣብ ህይወት ሰብ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ዝተደርበየ ቦምብ ንሕብረተሰብ ዘቖጥዐ እዩ።”

ኣገልግሎት ክቕፅል ብምሉእ ተረዳዲእና ኣመንቲ እስልምባ ብዱዓ ክርስትያን ድማ ብፀሎት ኢና ተፈላሊና ኢሎም።

ሓደ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩን ኣብቲ ልዝብ ነይረ ዝበሉን ግን እቶም መናእሰይ ክፍትሑ ዘቕረብናዮ ሕቶ ተቐባልነት ስለዘይረኸበ ብኡ ኢና ተፈላሊና ኢሎም ኣለው።

ኣብ ወልዲያ ቆቦን እውን ዝኾነ ይኹን ናይ ስራሕ ምንቅስቓስ ከምዘየለ ተፈሊጡ’ሎ።

ዋና ዳይረክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ይፍፀም ኣሎ ንዝብል ሕቶ ኣብ ወልዲያ ይኹን ቆቦ እቲ ግጭት ናይ ህዝቢ ዘይምዃኑን ብምግላጽ ከምዚ ኢሎም።

“ኣብ ልዕሊ ገለ ትካላት ውልቀሰባት ብምትኳር እቲ ግጭት ናይ ብሄር ክኸውን ንምግባር ዝተወሰኑ መንነት መሰረት ዝገበሩ መጥቓዕቲ ክፍፀም ዝሰርሑ ፈሊዮም ንብረት ሰብ ሃብቲ ንምዕናው ዝተፈተንሉ ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ጉዳይ እናሰፈሐ መፂኡ ካብ መንነት ዘሊሉ ንኹሉ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ፡ መሪሕነት እውን ሓዊሱ ዘጥቐዐ ጉድኣት እዩ ወሪዱ።”

ኣብ መንነትን ብሄርን መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ዝተፈፀሞም ውልቀሰባት ከምዘለው በዚ ምኽንያት እውን ዝተመዛበሉን ጉድኣት ዝወረዶም ሰባት ኣለው ኢሎም።ግን ድማ ምስ ነበርቲ ናይተን ከተማታት ይካየድ ኣብዘሎ ዝርርብ እቲ ህዝቢ ነዚ የውግዞ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ን42 ዓመታት ኣብ ከተማ ማርሳ ዝነበሩን ናይ ንግዲ ትካሎምን መንበሪ ገዝኦምን ሓዊሱ ዝዓነዎምን ዝነደዶምን ኣቶ ገብረመድህን ወልደኣናንያ ካብ መቐለ ከምዚ እውን ነባሪ ከተማ ቆቦ ዝኾነን ወናኒ እንዳ ወርቂ ኣክሊሉ ገብረዋህድ እውን ንብረቱ እንዳወርቁ ተወሪሩ ከምዝተቓፀለ ይገልፅ።ኣብታ ከተማ ን10 ዓመታት ከምዝተቐመጠ ይዛረብ።ካብታ ከተማ ከምዘይወፀን ኩነታት ኣዚዩ ሕማቕ ከምዝኾነን እውን ይዛረብ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG