ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኖርወይ ንግብረመልሲ ዓለም ኣብ ኵናት ቓዛ ነቒፎም


ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኖርወይ ኤስፐን ባርት ኤይድ
ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኖርወይ ኤስፐን ባርት ኤይድ

ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኖርወይ ምዕራባዊያን ሃገራት ነቲ ኣብ ቓዛን ዩክሬንን ይፍፀሙ ዘለው ምጥሓስ ዓለምለኸ ሕጊ ዘይቃዶ ምላሽ ይህባ ኣለዋ ክብላ ነቒፎም።

ኣብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ ንኻልኣይ መዓልቲ ይካየድ ኣብዘሎ መድረኽ ዓለምለኸ ቁጠባ ዝተዛረቡ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኖርወይ ኤስፐን ባርት ኤይድ "ሎሚ ኣብ ትካላትና ዓሙቕ ቅልውላው ተኣማንነት ኣሎ። ንቓዛ ተመሳሳሊ ግብረ መልሲ ክወሃብ ኣይረኣናን’’ ኢሉ።

"ብዙሓት ሃገራት ምዕራብ ሩሲያ ኣብ ዩክሬን ንዝፈፀመቶ መግሃስትታት ብቐሊሉ ዝተጠቐምሉ ቋንቋ ምጥሓስ ዓለምለኸ ሕጊ ኣብ ቓዛ ክኸውን ከሎ ግን ሰጋእ መጋእ ክብሉ ንሪኢ ኣለና’’ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም "እስራኤል እተካይዶ ዘላ ኲናት ንዓለምለኸ ልምድታት ዘይተኸተለን ፀገም ዘለዎን እዩ። ብዛዕባ እዚ እንተድኣ ዘይተዛሪብና ንናይ ዩክሬን ስነ መጎትና ዝጎድእ እዩ’’ ኢሎም።

ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኲናት እስራኤልን ሓማስን ካብ ዝጅመር ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘካይድዎ ዘለው ሻውዓይ ዙር ምብጻሕ ሎሚ ሶኑይ ብስዑዲ ዓረብ ጀሚሮም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG