ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንእሰያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ኖርወይ ዋዕላ የካይዱ`ለዉ


ካብ ዙርያ ዓለም ዝመጹ 700 መንእሰያት፡ ን4ተ መዓልታት ዝተፈለላየ ንጥፈታት ከካይዱ`ዮም ይብሉ ኣተሓባበርቶም

ካብ መንጎ`ቶም ኣተሓባበርቲ`ቲ ዋዕላ ሳምሶን ያረድ፡ እቲ ካብ ከተማ ኦስሎ ውጽእ ኣብ ዝበለ ቦታ ጽባሕ ዓርቢ ዝጅመር ዋዕላ፡ 7ይ ዓመት መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝተፈለለየ ዙርያ ዓለም ክካየድ ዝጸንሐ ምዃኑ ይገልጽ።

ቀጻልነት ዘለዎ ሃገራዊ ዕብየት ከምኡ ድማ ምሕያል ውዳበ መንእሰያት ዝብሉ ኣርእስታት ቀንዲ ዛዕባ`ቲ ዋዕላ ከምዝኾኑ ዝገለጸ መንእሰይ ሳምሶን፡ እቲ ዋዕላ ካልኦት ማሕበራዊ ንጥፈታት`ውን ከምዘጠቓልል ሓቢሩ።

ናይ ሎምዘመን መለለይ ማልያ፡ ሰማያዊ ከምዝኮነ`ውን ጠቒሱ።

ንምሉእ ቃለመጠይቕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG