ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰሜን ሸዋ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ዝተላዕለ ግጭት 14 ሲቪላዉያን ዜጋታት ሞሟቶም ነበርቲ ሓቢሮም


ክልል ኦሮምያ
ክልል ኦሮምያ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ አቦቴ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ኣብ ዝተጀመረ ኹናት ብዉሑዱ 14 ሲቪላውያን ዜጋታት ከም ዝተቀትሉን እቲ ኹናት'ውን ቀጺሉ ምህላዉን ነበርቲ'ቲ ከባቢ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ካብ ምምሕዳር'ቲ ዞባን ከተማ ኤጄሬ ዞባ ሰሜን ሸዋን ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮምያን ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ኣብ ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ኣብ ኣኼባ ባይቶ ክልል ኦሮምያ መብርሂ ዝሃቡ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ መንግስቲ ሕጂ'ውን ንልዝብ ሰላም ቅሩብ ምኻኑ ገሊጾም ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቀሱ ዕጡቃት ኦሮሞ ዝውስድ ስጉምቲ ሓይሉ ክቅጽል እዩ ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG