ሰበ-ስልጣን ፈደራልን ክልልን ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ሰሜን ሸዋ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ሓደ መንእሰይ ተፈጺሙ ዝብሃል ቅትለት "ጨካን ተግባር" ክብሉ ኮኒኖሞ። እዚ ግብረ-መልሲ ዝስማዕ ዘሎ፡ እቲ መንእሰይ ርእሱ ክቑረጽ ከሎ ዘርኢ ክልተ ዘይተረጋገጸ ቪድዮታት ክወጽእ ምስ ጀመረ`ዩ።
ድምጺ ኣመሪካ ዝረኸቦ ቪድዮታት ክልተ ዝተፈላለዩ ሰባት ዘርኢ`ዩ። ክልቲኦም ሰባት ብዘይተፈልጡ ሰባት ተታሒዞም ከለዉ የርኢ። ድምጺ ኣመሪካ ነዞም ክልተ ቪድዮታት ሓቅነቶም ከረጋግጽ ኣይክኣለን። ኣበይን መኣስን ተቐሪጾም`ውን ንጹር ኣይኮነን።
እቲ ቀዳማይ ቪድዮ ሓደ ካራ ዝሓዘ ሰብ ንኻልእ ሰብ ኣብ ምድሪ ኣደቂሱ ጎሮርኡ ክሓርዶ ብዝመስል ካራ ሒዙ ከጽጋዕ ይርኣይ- እቲ ግዳይ ዝተባህለ ድማ ምሕረት ይልምን።እቲ ናይ 26 ሰኮንድታት ቪድዮ እቲ ግዳይ ክሕረድ ከሎ ኣየርእን`ዩ። ድምጺ ኣመሪካ ብዛዕባ መንነት ወይ ኩነታት`ቲ ግዳይ ዝብሃል ዘሎ ሰብ ክረኽቦ ዝኸኣለ ንጹር ሓበረታ የለን።
እቲ ካልኣይ ቪድዮ ድማ ሓደ ንኡስ መንእሰይ ብሓደ ጉጅለ ተታሒዙ፡ ምስ ሓደኦም ኣሲሮም ክምርምርዎ ከለዉ የርኢ። ኣብዛ ቪድዮ'ውን እቲ ሰብ ክቕተል ከሎ ኣየርእን-ሽሕ`ኳ ስድራቤቱ ተቐቲሉ'ዩ ይብሉ እንተሃለዉ። ነቲ ኣብዛ ካልአይቲ ቪድዮ ዝርኣይ መንእሰይ ኣቡኡ`የ ዝበለ ኣማረ ኣሰፋ ዝተባህለ ሰብ ንድምጺ ኣመሪካ ክገልጽ ከሎ፡ እቲ ጉዳይ ዝሓለፈ 28 ነሓሰ ኣብ ደራ ወረዳ፡ ወረ ገርቦ ቀበሌ ከም ዝተፈጸመ ነጊሩ`ሎ። ንሱ ወዱ ብዕጡቓት ፋኖ ከም ዝተቐተለ ይኸስስ።
“ወደይ ወዲ 14 ዓመት ደረጀ ኣማረ ካብ ጨካ ወረዳ ደራ ናብ ገዝኡ ይመጽእ ኔሩ። ኣብ መንገዲ ግን ዕጡቓት ፋኖ ረኺቦም ወሲዶም። ድሓር ግን ኣብ ሳላልኩላ ተቐቲሉ ሰሚዕና" ይብል።
ነቲ ግዳይ ሓዉ እየ ዝበለ ክፍላይ ኣማረ ብወገኑ፡ ኣብታ ቪድዮ ዝርኣይ ቆልዓ ሓዉ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሬስኡ ስለዘይረኸብና ክንቀብሮ`ውን ኣይከኣልናን ይብል። ኣብታ ቀዳመይቲ ቪድዮ ዝርኣይ ሰብ ግን ሓዉ ከም ዘይኮነ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ'ሎ። ብዛዕባ ቅትለት ሓዉ፡ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነብሩ ጎረባብቲ ከም ዝሰምዐ ዝገልጽ ክፍላይ፡ብዛዕባ ኣቀታትልኡ ዝምልከት ግን ዝርዝር ኣይሃበን። ድምጺ ኣመሪካ `ውን ብዛዕባ ኩነታት`ቲ ኣብዛ ካለአይቲ ቪድዮ ዘሎ መንእሰይ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
ብዛዕባ`ቲ ኩነታት ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ጀሚሩ ካብ ፈደራልን ክልልን ከምኡ`ውን ካብ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ቁጥዐ ክስማዕ ቀንዩ`ሎ። ገለ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ክልል ኦሮሚያ ነቲ ተፈጺሙ ዝብልዎ ቅትለት ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፍታት ጌሮም። ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረቡ ተመሃሮ ዩኒቨርሲታት መቱን ኣምቦን፡ ነቲ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ተፈጺሙ ዝበልዎ ቅትለት ንምኹናን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከም ዝወጹ ጠቒሶም። ኣብቲ ኣድማ፡ ዘይተፈልጠ ቁጽሪ ዘለዎም ተማሃሮ ከም ዝቖሰሉን፡ ትምህርቲ `ውን ንሓደ መዓልቲ ከም ዝተሰናኸለን- ሽሙ ክገልጽ ዘይደለየ ሓደ ተመሃራይ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ`ሎ።
ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፡ ብዛዕባ ትሕዝቶ`ቲ ቪድዮ ግብረ መልሲ ዝመስል ጽሑፍ ኣውጺኡ`ሎ።
“ኣብ ከባቢ ሰላለ ደራ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈጸመ ባርባራዊ ተግባር ካብ ሓደ ሰብኣዊ ፍጡር ዘይትጽበዮን ክኹነን ዝግብኦን ጽዩፍ ተግባር`ዩ" ኢሉ።
ንሱ ብምስዓብ "ዕላምኦም ብኢ-ሞራላዊ ተግባሮም ኣብ ህዝቢ ፍርሒ ንምዝራእ`ዩ። እዚ ግን ንሞቶም`ምበር ንዓወቶም ዘቀላጥፍ ኣይኮነን፡ ተቐባልነት ዘይብሉ ናይ ሰይጣን ስራሕ `ዩ.." ኢሉ።
ቤት ጽሕፈት ኦሮሚያ ኣብ ዝሃቦ ናይ ተለቪዥን መግለጺ `ውን ነቲ ኣብ ደራ ተፈጺሙ ዝበሎ ቅትለት ብምኹናን ነቲ ቅትለት ዝፈጸሙ ሓይልታት ፋኖ እዮም ኢሉ።
እቲ ክልል ብዛዕባ`ቲ ቪድዮ ብንጹር ከይጠቐሰ፡ ክልቲኦም ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ኣንጻር ብሄራትን ኣንጻር`ዛ ሃገርን ግፍዕታት ይፍጽሙ ኣለዉ ክብል ኮኒኑ`ሎ።
ብዛዕባ`ዚ ክስታት ካብ ፋኖ ኮነ ካብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝተረኽበ ግብረ መልሲ ዛጊት የለን።
ፈደራል መንግስቲ ኮነ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ነቲ ቪድዮታት ኣይዘርግሕዎን። ካብተን ክልተ ቪድዮታት ኣየነይቲ ቪድዮ እያ ቁጥዐ ወሊዓ ዘላ ንምፍላጥ`ውን ኣይተኻእለን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ