ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደ.ኮርያ- ሰ.ኮርያ ሰራዊታ ኣብ ኵናት ዩክሬን ምስ ሰራዊት ሩስያ ተሰልፍ አላ ክትብል ከሲሳ


ወትሃደራት ሰሜን ኮርያ - ፋይል
ወትሃደራት ሰሜን ኮርያ - ፋይል

ሰሜን ኮርያ ሰራዊታ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሩስያ ኮይኖም ኣብ ዩክሬን ንክዋግኡ ምልኣኻ ንዓለምና ከቢድ ሓደጋ እዩ ክትብል ዝገለጸት ደቡብ ኮርያ፣ ደቡብ ኮርያ ዝካኣላ ግብረ መልሲ ክምትህበሉ ፕረዚደንት'ታ ሃገር ገሊጾም።

ትካል ስለያ ደቡብ ኮርያ ብወገኑ ሰሜን ኮርያ ናብ ውግእ ዩክሬንን 12,000 ወትሃደራት ኣዋፊራ ትሳተፍ ከምዘላ ጠቂሱ ኣሎ።

ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልደመየር ዘለንስኪ ሰሜን ኮርያ፣ ወትሃደራዊ መኮንናት ኣቀዲማ ከምዝለኣኸትን፣ ገና ኣሻሓት ወትሃደራት ኣብ ጎኒ ወትሃደራት ሩስያ ኮይኖም ንክዋግኡ ንክትልእኽ ትቀራረብ ከምዘላን ጠቂሶም ነይሮም።

ሓላፊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ማርክ ሩት ግና ሰሜን ኮርያ፣ ሰራዊት ናብ ዩክሬን ከምዘዋፈረት ዝሕብር ጭብጢ ዛጊት ኣይተረኸበን ከምዝበሉ እቲ ዜና ጠቂሱ።

ሩስያ ብተራኣ ኣብ ዘውጸአቶ መግለጺ ሰሜን ኮርያ ንሩስያ ንምሕጋዝ ሰራዊት ልኢኻ ንዝብል ክሲ ደቡብ ኮርያ ነጺጋቶ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG