ዋሽንግተን —
ሰሜን ኮርያ ሎሚ ረቡዕ 19 ሓምለ 2023 ኣብ ሰዓታት ንጉሆ ክልተ ናይ ሓጺር ርሕቐት ቦልስቲክ ሚሳይላት ወንጪፋ።
ተንተንቲ ሲዎል ምውንጫፍ እተን ሚሳይላት ኣብ ወደብ ደቡብ ኮርያ ሰዓታት ቐዲማ ዝዓረፈት ናይ ኣመሪካ ሳብማሪን ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጹ።
እተን ክልተ ሚሳይላት ኣስታት 550 ኪ.ሜ. ድሕሪ ምጉዓዝ ኣብ ማያት ምብራቓዊ ወሽመጥ ኮርያ ምውዳቐን ሰብ-መዚ ደቡብ ኮርያ ሓቢሮም ኣለው።
ሚንስትር ምክልኻል ጃፓን ያዚካዙ ሃማዳ'ውን ሃገሮም ንምውንጫፍ እተን ሚሳይል ከምትቃወም ገሊጾም ኣለው።
ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ከኣ ሰራዊት ኣመሪካ እዚ ዳሕረዋት ተግባር ምትኳስ ሚሳይላት ሰሜን ኮርያ ኣብ ልዕሊ ወታሃደራትን ግዝኣታትን ኮነ መሻርኽታትን ዝፈጠሮ ስግኣት የለን ኢሉ'ሎ።
ቅጥዒ