ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኔቶ: ዓለምለኻዊ ግብረመልሲ ንምውንጫ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ ይጽውዕ


ሃይንሙን ቱ ዝተባህለ ተባራዒ ሚሳይል ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተወንጨፈሉ ብሚኒስትሪ ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ዝተውስደ ስእሊ። ( መስከረም 15)
ሃይንሙን ቱ ዝተባህለ ተባራዒ ሚሳይል ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተወንጨፈሉ ብሚኒስትሪ ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ዝተውስደ ስእሊ። ( መስከረም 15)

ኔቶ ማለት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ: ሰሜን ኮርያ ንዘካየደቶ ምውንጫፍ ሚሳይል ብምኹናን ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዓለምለኻዊ ግብረመልሲ ክወሃብ ጸዊዑ።

ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጃንስ ስቶልተንበርግ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ሰሜን ኮርያ ትማሊ ንዘካየደቶ ምውንጫፍ ሚሳይል ተወሳኺ ምጥሓስ ብይን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ድማ ኣዝዩ ኣሻቃሊ ብምዃኑ ኣህጉራዊ ግብረመልሲ ዝጠልብ'ዩ ክብል ገለጹ።

ሰሜን ኮርያ ሚሳይል ትውንጭፍ ዘላ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እታ ሃገር ንሻድሻይ ግዜ ሚሳይል ብምውንጫፋ ተወሳኺ ብይን ማዕቀብ ድሕሪ ምሕላፉ ዝካየድ ዘሎ ምዃኑዩ።

እቲ ሚሳይል ዝተወንጨፈ ፕዮንግያንግ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ ካብ እትርከበሉ ሰሜን ዞባ ሱናን ኮይኑ ፤ ን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ብልዕሊ ንክሊ ኣየር ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ጃፓን ትርከብ ደሴት ሆካይዳ ከምዘቋረጸ ድማ ተፈሊጡ።

ዋና ጸሓፊ ካቢነ ጃፓን ዮሺሂደ ሱጋ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ነዚ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ተኹታዂ ምውንጫፋ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ ብፍጹም ክንቅበሎ ኣይንኽእልን ኢና። ቊጥዐ ናይዛ ሃገር ብዝሓየለ ቃንኡ ናብ ሰሜን ኮርያ ነመሓላልፍ " ድማ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG