ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኪም ጆንግ ኡን ን"ቅዱስ ኲናት" ሩስያ ደገፉ ይገልጽ


መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ምስ ፕረዚደትን ሩስያ ቭላድሜር ፑቲን ሎሚ ረቡዕ 13 መስከረም 2023 ኣብ ዝተራኸበሉ፡ ነቲ “ሩስያ ኣንጻር ኢምፐራላዊነት እትገብሮ ዘላ ቅዱስ ኲናት” ኢሉ ዝጸውዖ ዘለዎ ደገፉ ገሊጹ። ኪም ኣስዒቡ ካብ ፈለማ ናይቲ ኲናት ኣብ ጎድኒ ሩስያ ከም ዝነበረ ብምጥቃስ፡ ሃገሩ ኣንጻር “ሃገራት ምዕራብ” ዝበሎ ኲናት ብዅሉ ወገናታ ምስ ሩስያ ከም እትውግንን ዘድሊ ምትሕብባር ከም እተካይድን ጠቒሱ።

ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ሓያሎ መደበርን መጋጣጠሚን ሳትላይት ዘርእዮ ዝነበረ ፕረዚደንት ፑቲን ብወገኑ፡ ኣቐዲሙ ብጋዜጠኛታት ኣብ ዝተሓተትሉ፡ ሩስያ ንሰሜን ኮርያ ሳትላይት ኣብ ምስራሕ ክትሕግዛ ምዃና ኣመልኪቱ ነይሩ።

ኣመሪካን መሻርኽቲ ሃገራት ሰሜን ኮርያ ንሩስያ ኣጽዋር ከተዕጥቓ’ያ ብዝብል ጥርጣረ ነቲ ርኽብ ብቐረባ ይከታተሉ ኣለዉ። ክልቲኦም ወገናት ግን ነቲ ክስታት ይነጽጉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG