ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰሜን ኮርያ ናይ ሓጺር ርሕቐት ባለስቲክ ሚሳይል ተኹሳ


ሰሜን ኮሪያ ሎሚ ዓርቢ ሓፂር ርሕቐት ዝጉዓዝ ባለስቲክ ሚሳይል ናብ ምብራቓዊ ወሰን ማያት ከምዘወንጨፈት ላዕለዎት ሰበስልጣን ደቡብ ኮሪያን ጃፓንን ገሊፆም።

ኣብ ምክልኻል ሓይሊ ደቡብ ኮሪያ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ካንግ ሆፒል ወታሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ከምዚ ዝበለ ቶኽቷዂ ፈተነታት ጠጠው ክተብል ብርቱዕ መጠቀቕታ ሂቡ'ሎ ኢሎም።

ሰሜን ኮሪያ ወሽመጥ ኮሪያ ወጥሪ ንምጉዳል ንወታሃደራዊ ምንቅስቃስ ዝተኸልከለ ከባቢ ንክኸውን ኣብ 2018 ዝፈረምኦ ስምምዕ ዝጥሕስ መበል 170 ዙር መዳፍዕ ብምትዃስ ኣብቲ ወሽመጥ ከምዝወደቐ ደቡብ ኮሪያ ገሊፃ ኣላ።

ንጋዜጠኛታት መብርሂ ዝሃበ ሓላፊ ካብኔ ጃፓን ሂሮካዙ ማሱኖ እቲ ፈተነን ናብ ጥቓ ዶብ ደቡብ ኮሪያ ነፈርቲ ውግእ ምብራራን ተወሳኺ ወጥሪ ዝፈጥር እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG