ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኤርትራ ዝሓወሰ ዕዳጋ ኣጽዋር ግልልቲ ሰሜን ኮርያ


ሰሜን ኮርያ
ሰሜን ኮርያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:57 0:00

ሰሜን ኮርያ ካብ ዓሚ ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ እገዳ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ትርከብ። እንተኾነ ፕዮንግያን ንኤርትራ ወሲኹ ዕዳጋ ኣጽዋር ኣብ ኣፍሪቃ ረኺባ ከምዘላ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

እታ ግልልቲ ሃገር ናብ ዕዳጋታት ኣፍሪቃ ክትኣቱ ከላ ግና ንከይትፍለጥ ኢላ ዝተፈላለዩ ሜላታት ከምትጥቀም’ውን እቲ ሪፖርት ገሊጹ።

'ሰሜን ኮርያ ኣጽዋራት፣ ወትሃደራዊ ናውቲ፣ ካብ መርየት ናብ ሰማይ ዝውንጨፍ ሚሳይል፣ ራዳራት፣ ሰብ ዝጾሮ ጸረ ሚሳይል፣ ዝተፈላለዩ ዘበናዊ ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ትሸይጥ ኣላ' ይብል ኣቦ መንበር ኮሚተ ትግባረ እገዳ ሰሜን ኮርያ ሚስተር ህዩ ግሪፊዝ።

ሚ/ር ግሪፊዝ ብዛዕባ ኤርትራ ክዛረብ ከሎ ’እዚ ኮሚቴ ኣብ 2015, 2016ን ሎሚ ድማ ኣብ 2017 ኣብ ዘቕረቦም ዛዛሚ ሪፖርታት ኤርትራ ተጠቒሳ ኣላ። ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ከመይ ገይሮም ናብ ፒዮንግያን ሰሜን ኮርያ ኣትዮም ምስ’ቲ ስርዓት ከምዝራኸቡ ኣርእዩ’ሎ ይብል።

XS
SM
MD
LG