ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚተ ሽልማት ኖበል ዕዉታት ዓውዲ ፊዚክስ ኣፍሊጡ


ተዓወቲ ሽልማት ኖበል ዓውዲ ፊዚክስ
ተዓወቲ ሽልማት ኖበል ዓውዲ ፊዚክስ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሽልማት ኖበል ዝህብ ሽወደናዊ ትካል ሎሚ ሰሉስ 3 ጥቅምቲ 2023 ንሰለስተ ዕዉታት ዓውዲ ፍይዚክስ ወግዓዊ ገይሩ። እቶም ናይ ሎሚ ዓመት ናይ ዓውዲ ፊዚክስ ዕዉታት ኣብ ኦሃዮ ስቴት ዩኒቨርስቲ ዝምህር ፔር ኣጎስቲኒ (Pierre Agostini)፣ ኣብ ትካል ኳንተም ኦፕቲክስ ሙኒክ ጀርመን ዝሰርሕ ፍረንክ ክሮዝ (Ferenc Krausz)፣ ከምኡ’ውን ካብ ሉንድ ዩኒቨርስቲ ሽወደን ኣን ል’ሃሌር (Anne L’Huillier) ኢዮም።

እዞም ሰለስተ ተመራመርቲ ነዚ ሽልማት ዝበቕዑ፡ ኣብ ዓውዲ ኤለክትሮንክ ብዝገበሩዎ ምርምር ምዃኑ ኣካዳሚ ሽወደን ኣፍሊጡ። ምርምር እቶም ሰለስተ ተሸለምቲ ኣብቲ ዓውዲ ሓድሽ መንገዲ ምኽፋቱ ወግዓዊ መግለጺ እቲ ትካል ሓቢሩ።

ሽልማት ኖበል ካብ ትማሊ ሰኑይ ኣትሒዙ ናይዚ ዓመት ዕዉታት ወግዓዊ ክግበር ጀሚሩ ኣሎ። ትማሊ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ዕዉታት ኰይኖም ዝተረቝሑ ሃንጋራዊት ካታሊን ኪርኮን ኣመሪካዊ ድሪው ዌስማንን ኣብ ምርምር ክታበት ለበዳ ኮቪድ ብዝገበሩዎ ኣበርክቶ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG