ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ተመራመርቲ ተዓወቲ ሽልማት ኖበል ዓውዲ መድሃኒት ብምዃን ተሸሊሞም


ክልተ ተመራመርቲ(ሳይንትስት) ኣንፃር ኮቪድ-19ን ካልኦት ክታበታት ንምፍጣር ዝሕግዝን mRNA ዝተባህሉ ክታበታት ብምምዕባል ተዓወቲ ኖቤል ሽልማት ዓውዲ መድሃኒት ብምዃን ተሸሊሞም።

ካትሊን ካሪኮ ፕሮፌሰር ኣብ ሃንጋሪ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ሳጋን ኣብ ዩኒቨርስቲ ፔንሲልቫኒያ ድማ ተሓባባሪት ፕሮፌሰር እያ። ድሩው ዌይስማን ኣብ ዩኒቨርስቲ ፔንሲልቫኒያ ኢንስቲቱት ፔን ምህዞታት RNA ዳይሬክተር እዩ።

mRNA ምስ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ከመይ ከም ዝተሓሓዝ ዘለና ኣረዳድኣ ብመሰረቱ ዝቕይር ምህዞ ስለዝረኸቡ ሎሚ ሰኑይ 2 ጥቅምቲ 2023 ሽልማት ከም እተዋህቦም እቲ ኮሚቴ ሽልማት ኖበል ገለፁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG