ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሃዋሁ ኣይሰላም ኣይኹናት ንትግራይ ይሃስያ ኣሎ' ኢሎም ክልተ ኢትዮጵያዊያን


መዋስንቲ ክልቲኤን ሃገራት
መዋስንቲ ክልቲኤን ሃገራት

‘መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኣተውዎ ኩነተ-ኣይሰላም ኣይኹናት፣ ንትግራይ ብሕልፊ ድማ ኣብ መዋስንቲ ወረዳታት ቀዋሚ ዝኾነ ስግኣት ጸጥታ ብምፍጣር እቲ ክልል ንኢንቨስትመንት ዘይስሕብ ገይሩዎ፣ እቲ ህዝቢ ድማ ዘይተረጋገአ ህይወት ዝመርሕ ክኸውን ኣገዲድዎ’ ይብሉ ኣጋይሽና።

‘ሓረስታይ መዋስንቲ ወረዳታት ኣብ ክንዲ ንቡር ሕርሻዊ ስርሑ ዝፍጽም ብፌደራላዊ መንግስቲ ኣብ ሓለዋ ንክሕጸር ተወሲኑዎ ኣሎ ዝበሉ እቶም ኣጋይሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ተጻዒኑ ዘሎ ጾር ኣብ ምቅላል እጃሙ ይግበር’ በሉ።

‘ኣብ ምርግጋጽ ሉኣላዊነት ዝወፈረ ሰራዊት መከላኸሊን ካብ ኤርትራ ሰጊሮም ዝመጹ ስደተኛታት እውን ንጸጋታት’ታ ክልል ይማቀሉ ከምዘለውን ንምምራር ዘይኮነስ ፍታሕ ንክግበረሉ ኢና ንጽውዕ ዘለና’ውን ኢሎም’ ክልቲኦም ኣጋይሽ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:27 0:00

XS
SM
MD
LG