ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ምፍፃሙ ምእማኑ ንወስዶ ዘለና ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ምኽኑይነት ዘረጋግፅ እዩ ክብል ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ናይ ህወሓት ተግባር ገበን ክሕደት ሃገር እዩ ዝበሉ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ልዝብ ኣይህልን ኢሎም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ኢሉ ብዛዕባ ዝፀውዖ ወታደራዊ ዘመተ መግለፂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ዋሕዚ ሓበሬታ ህፁፅ ኣዋጅን ምንስቴር ድኤታምንስትሪ ጉዳያት ወፃኢን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ህወሓት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ\ም ዝፍፀሞ መጥቓዕቲ ‘’ቅድም ክብል ክሕደት ሃገር ኢልና ዝፀዋዕናዮ እዚ ተግባር ናይ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ምንቅስቓስ ምኽኒያታዊ ይገብሮ’’ኢሎም።
ኣብ ናይ ትግራይ ክልል ቴሌቪዥን ዝቐረቡ ኣባል ህወሓት ኣቶ ሴኮ ቱሬ ጌታቸው ብዛዕባ እቲ መጥቓዕቲ ክገለፁ ከለው ‘’ንትግራይ ንምጭፍላቕ ብኹሉ ኣንፈት ዝተሓሰበ ውዲት ኣብ ጫፍ ምብፁሑ ብምርዳእ ቕልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ነይሩዎ’’ኢሎም።’’ዳርጋ ኣብ ውሽጢ 45 ደቓይቕ ነቲ እዚ ብምሉእ ንምቁፅፃር ዝተኽኣለሉ እዩ ነይሩ፤ብዘይካ ዝተረፉ ውሱናት’’ክብሉ ብምሳኽ ገሊፆም።
‘’ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ሰንሰለት እዚ ዘሎ 30 ሽሕ ሰራዊት ኣርባዕተ መካናይዝድ ክፍለ ሰራዊት ኣብ ዘለዎ ኩነታት ብታሕቲ ኣሃዳዊያን ወረርቲ፣ካብ ላዕሊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘለዎ፣ኵናት እናተዳለወሉ ኣብዘለሉ ኩነታት ኢዱ ዓፃፂፉዶ ኮፍ ክብል ነይሩዎ?ክብል የብሉን’’ ክብሉ ንምክልኻል ዝተወስደ ስጉምቲ ብምዃኑ ግቡእ ከምዝነበረ እዮም ኣቶ ሶኩቱሬ ወሲኾም ዝገለፁ።።
ኣቶ ሴኮ ቱሬ ጌታቸው ሓዊሱ ኣስታት ሓደ ምእቲ ዝኾኑ መሪሕነት ህወሓትን መኮነናት ሰራዊትን ትእዛዝ ማእሰርቲ ዘውፅአ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወታደራዊ ስጉምቲ ጠጠው ዝብል ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ከለው ጥራሕ ምዃኑ ግልፂ ገይሩ ኣሎ።ኣምባሳደር ሬድዋን እውን ነዚ እዮም ዘረድኡ ኣብ መግለፂኦም።
ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴርን ናይ ወፃኢ ጉዳይ ምንስቴርን ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ዩጋንዳን ብሓፈሻ ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት እቲ ዞባ ዑደት ይፍፅሙ ዘለው ነዚ መርገፂ እዚ ንምርዳእ ምዃኑ ሓቢሮም ኣምባሳደር ሬድዋን።
‘'እቲ ልኡኽ ጉጅለ ናብተን ሃገራት ዝተጉዓዘ መራሕቲ ጉጅለ ህወሓት ናብ ፍርዲ ክሳብ ዝቐርቡ ዝኾነ ይኹን ኣደራዳሪ ኣይንደልን ዝብል ናይ ቀዳማይ ምንስቴር መልእኽቲ ንምብፃሕ እዩ።ምኽኒያቱ ካብ ተሓታትነት ምምላጥን ንዘይሕጋውነት ዘተባብዕ ዝኾነ ይኹን ሽምግልና ተቐባልነት የብሉን’’ ኢሎም።
ትማሊ ሶኑይ ኣብ ከባቢ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝነበረ እውን ኣምባሳደር ሬድዋን ኣረጋጊፆም ኣለው።’'ደብዳብ ነፈርቲ ነይሩ።ኣብ መቐለ ከይኮነስ ኣብ ወሰና ወሰን እታ ከተማ እዩ፤እተነ ነፈርቲ ሓያል ድምፂ ስለዘለወን መስቲያት ከንቅዕ ይክእል እዩ’’ ኢሎም።ኣብ ልዕሊ ወታደራዊ ትሕቶታት መሪሕነት ህወሓትን ፍሉይ ሓይልን ተዘይኮይኑ ስቪላዊ ዒላማ ኣይተወቕዐን ኢሎም ብምውሳኽ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል ሜጀር ጀነራል ቅጢላ ቡልቱ እውን እቲ ሰራዊት ስቪል ከይጉዳእ ጥንቃቐ ከምዝገብር ተዛሪቦም ኣለው።
ኣብ መቐለ ዝርከብ ወኪል ቪኦኤ ኣብ ውሽጢ ከተማ መቐለ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ጉድኣት ምውራዱ ነበርቲ ከምዝገለፅሉ፣ናይ ቅዱስ ጊዮርግስ ተምሃሮ ፈለገ ህይወት ዝነብርሉ ከባቢ ምፍራሱ፣ናይቲ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ ሓደጋ ከምዝወረዶም ብዓይነይ ሪአ ኣልኹ ኢሉምፅብፃብ ይዝከር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ንምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ድጋፍ ንምሃብ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ ደሴ፣ ሃዋሳ፣ኣዳማን ሰልፍታት ተኻይዶም ኣለው።