ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢቦላ ናብ ኢትዮዽያ ኣይኣተወን ይብል ምንስቴር ጥዕና


Ebola outbreaks, deaths in West Africa, as of August 11, 2014
Ebola outbreaks, deaths in West Africa, as of August 11, 2014

ኣብ ኢትዮዽያ ዝተኸሰተ ሕማም ኢቦላ ከምዘየለ ምንስቴር ጥዕና‘ታ ሃገር ኣፍሊጡ።እንተኾነ ምናልባሽ እንተጓነፈ ካብ ዝብል ስግኣት ርእሱ ዝኻኣለ ሆስፒታል ከምዝተኸፍተ ምንስትር ጥዕና‘ታ ኢትዮዽያ ኣፍሊጦም።

ሎሚ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ዝሃቡ ዶ/ር ከሰተብርሃን ኣድማሱ”ብኢቦላ ዝተታሓዘ ሰብ ዛጊድ ኣብ ኢትዮዽያ የለን።እቲ ሕማም ናብ‘ዚ ዓዲ‘ዚ ንከይኣቱ‘ውን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይፍፀሙ‘ለው።ንኣብነት ክልተ ኮሚቴታት ኣቊምና‘ለና፣እቲ ቀዳማይ ባዕለይ ዝመርሖን ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝሓቆፈን‘ዩ። እቲ ካልኣይ ኮሚቴ ቴክኒካዊ ስራሕቲ ዘፃፍፍ‘ዩ” ኢሎም።

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ሓደ ኮሚቴ ከምዝደኮነን ብሕልፊ ረስኒ ዝሓዞም ካብ ናይጀርያ ዝኣትው ኣጋይሽ ፈልዩ ከምዝከታተሎም ጠቂሶም።

ንኣብነት ክልተ ቻይናውያን ረስኒ ስለዝተሰመዖም ተፈልዮም ፍሉይ ምርመራ ድሕሪ ምግባር ብዓሶ ዝተታሓዙ ኮይኖም ከምዝተረኸቡ ከምኣብነት ጠቂሶም‘ዮም ዶ/ር ከሰተብርሃን።ምናልባሽ ሕሙማት ኢቦላ እንተተረኸቡ ካብ ዝብል ስግኣት፣ርእሱ ዝኻኣለ ሆስፒታል ተኸፊቱ‘ሎ ኢሎም ምንስትር ጥዕና ኢትዮዽያ ዶ/ር ከሰተብርሃን፣ኧ

“ጥቃ ገብርኤል ቤተ ክርስትያን፣ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኮተቤ ኣብ ምስራሕ ንርከብ፣ሓድሽ ሆስፒታል‘ዩ።95 ሚእታዊ ህንፀቱ ተዛዚሙ‘ሎ።ክሳብ ሓምሳ ዓራት ክሕዝ‘ዩ ኢልና‘ውን ትፅቢት ንገብር።ንጊዚኡ ዓሰርተ ዓራት ድልዊ‘ሎ” ይብሉ ንሶም።

ኢትዮዽያ ምስ ሕማም ኢቦላ ክኽሰተላ ዓብዪ ስግኣት ኣሎ ዝባሃለላ ኬንያ ተሓጋጊዝካ ንምስራሕ ምቅርራባት ከምዘሎን ኣብ ብርክት ዝበሉ መእተዊ ናብ ኢትዮዽያ እቲ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ይቅፅል ከምዘሎ ዶ/ር ከሰተብርሃን ገሊፆም ይብል እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ሪፖርት።

XS
SM
MD
LG