ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዋና ከተማ ሴራ ሊዮን ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ነዳዲ ዝፀዓነት መኪና 99 ሰባት ሞይቶም


Dealy Fuel Tanker explosion in Sierra Leone - accident Freetown - fire incident - burn victims

ኣብ ዋና ከተማ ሴራ ሊዮን ዝሓለፈ ዓርቢ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ነዳዲ ዝፀዓነት መኪና ተፈንጂራ እንተወሓደ 99 ሰባት ሞይቶም ካልኦት ልዕሊ 100 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ ሰበስልጣን ገሊፆም።

ምኽትል ምንስቴር ጥዕና እታ ሃገር ኣማራ ጃምባይ ግዳያት ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ገሊፆም።

እቶም ግዳያት ነቒዑ ይፍስስ ካብ ዝነበረ ነዳዲ ንምቕዳሕ ናብቲ ቦታ ዝወሓዙ ምዃኖም ከንቲባ ናይታ ወደባዊት ከተማ ብፌስቡክ ፅሒፎም እንተንበሩ እውን ፀኒሑ እቲ ፅሑፍ ተኣሪሙ።ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካ ብዘጋጥም ሓደጋ ናይ ነዳዲ ፅዕነት መካይን ሰባት ነዳዲ ክቐድኡ መፂኦም ዓሰርተታት ሰባት ዝሞቱሉ ኣጋጣሚታት ብዙሕ እዩ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG