ኣብ መንጎ ሃገራት ምንጪ ፈለግ ናይልን፡ እቲ ፈለግ ዝሓልፈለን ሃገራትን ተላዒሉ ዘሎ ምስሕሓባት፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ማይ ዝተላዕለ ከምዘይኮነ`ውን ገሊጾም
ኣብ`ዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ንማይ ፈለግ ናይል ከምቲ ዝድለ ኣብ ጠቕሚ ዘውዓለ ወገን ከምዘይነበረ ዝገለጹ ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ንምምዕባል ሕብረተሰብ ኣብ ጠቕሚ ዝውዕል ዘሎ ዓቕምታት፡ ካብ ሰለስተ ሚኢታዊት ዝበዝሕ ከምዘይኮነ ገሊጾም።
ማያዊ ዓቕሚ ናይል፡ ንኤርትራ ሓዊስካ ንብምሉኣተን 10 ሃገራት ኣኺሉ ዝተርፍ`ዩ ዝበሉ ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ዋሕዲ ማይ መካትዒ ክኸውን ከምዘይክእል ተዛሪቦም።
ብዘይካ `ዚ፡ ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ`ዚ መዝሚዛ ምስ ገለ ኣባላት ናይቲ ናይል ክበብ ብምፍጣር፡ ምስ ጉዳይ ማይ ናይል ርክብ ዘይብሉ ኣጀንዳ ንምትግባር፡ ትሕልን ኣላ ኢሎም።
ኤርትራ ኣብ`ዚ እዋን ተዓዛቢት ኣባል ክትከውን ጥራሕ ከምዝመረጸት`ውን ሓቢሮም
ንምሉእ ጸብጻብ ካብ ሰናይት ሃብቱ ተኸታተሉ፡