ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖለቲከኛታት ግብፂ ብዛዕባ ዝበልዎ፡ ኢትዮዽያ ካብ መንግስቲ ግብፂ መብርሂ ሓቲታ


DINA MUFTI
DINA MUFTI

መራሕቲን ፖለቲከኛታትን ግብፂ ኣብ‘ዚ ቀረባ ብቴሌቭዥን ኣብ ዘቃልሕዎ ርኢቶ ፡ ነቲ ግድም ንምትዕንቓፍ ውዲት ክፍጸም ሓሳባት ምቕራቦም ይዝከር

ብጠንቂ‘ቲ መራሕቲን ፖለቲከኛታትን ግብፂ ኣብ‘ዚ ቀረባ ብቴሌቭዥን ዘቃልሕዎ ሪኢቶታት፣መንግስቲ ኢትዮዽያ ተወሳኺ መብርሂ ምሕታቱ ተገሊፁ።

ምስ ቪኦኤ ቃለ-መጠይቅ ዘካየዱ ወሃቢ-ቃል ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፣ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ ንኣምባሳደር ግብፂ ኣብ ኢትዮዽያ ፀዊዑ ከምዘዘራረበ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ግብፂ፣እቲ መደረታት መርገፂ መንግስቶም እንተኾይኑ ከረጋግፁ፣ተዘይኮይኑ ካይሮ ካብ‘ቲ ተባራዒ ሪኢቶታት ርእሳ ንክተርሕቅ ተሓቲቶም‘ለው ኢሎም።

ኢትዮዽያ ንግብፂ ሓዊሱ ምስ ኩለን ጎረባባታ ሰላማዊ ርክብ ስለትደሊ፣ ኣብ ፖሊሲ ወፃኢኣ‘ውን እንተኾነ ብዝግባእ ዝተንፀባረቀ‘ዩ ኢሎም።እዚ ናይ ግድብ ኣባይ‘ውን ንግብፂ ከስግኣ ከምዘይግባእ ርግፀኛታት ኢና ይብሉ።

ኢትዮዽያ ነቲ ሽዱሽተ ሃገራት ዝተሰማማዓሉ ሰነድ ኣጠቃቅማ ሩባ ናይል ዝምልከት ረቂቅ፣ክሳብ ኣብ ግብፂ ቀዋሚ መንግስቲ ዝምስረት ክደናጎይ ከምዝገበረትን፣እዚ ሰናይ ድልየ እናርአና ከለና ኢና ከም‘ዚ ዝዓይነቱ ተበግሶታት ንዕዘብ ዘለና ኢሎም።ሃገሮም ነቲ ኩነታት ብርግኣት ከምትሕዞ‘ውን ሓቢሮም።

መራሕቲን ፖለቲከኛታትን ግብፂ ኣብ‘ዚ ቀረባ ብቴሌቭዥን ኣብ ዘቃልሕዎ ርኢቶ ፡ ነቲ ግድም ንምትዕንቓፍ ውዲት ክፍጸም ሓሳባት ምቕራቦም ይዝከር።

ብኻሊእ ዜና "መንግስታት ኢትዮጵያን ግብፅን ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝህልዎ ፅልዋ ዓሚ ንዘርኣይዎ ሰናይ ምትሕብባር ክቕፅልሉ" ኣሜሪካ ፀዊዓ።

ወሃቢት ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ "ክልቲአን ሃገራት እቲ ግድብ ኣብ ልዕሊ ግብፅን ሱዳንን ዝህልዎ ፅልዋ ንምንካይ፡ ከምኡውን እቲ ሩባ ንረብሓ ህዝቢ እቲ ዞባ ብዝጠቅም ኣገባብ ንኸልምዕዎን ነተባብዕ" ኢለን።
XS
SM
MD
LG