ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ውዕል ንኣጠቃቅማ ማይ ኣባይ እንታይ ይማሃራ?


Ethio-Eritrea
Ethio-Eritrea

ኢትዮጵያ፣ሱዳንን ግብፅን ንዘመናት ንዘቑፀረ ዝድፈር ዘይመስል ዝነበረ ምስሕሓብ ብሰላማዊ ኣገባብ ሓቢርና ንፈትሖ ዝብል ኣንፈት ይስዕባ ኣለዋ።ኣጠቃቅማ ማይ ኣባይ ፍትሓዊነት ዝጎደሎ'ዩ ትብል ኢትዮጵያ ምስ ክልቲኤን ሃገራት ሓባራዊ ኮሚቴ ኣቒማ ንነባራይ ፍታሕ ኣብ ምስራሕ ትርከብ።እዚ ድማ ካብ ኣጋይሽና ናእዳ ኣርኪቡላ'ዩ።

ናብ ምስሕሓብ ምስ ኤርትራ ክንመፅእ ከለና ግና ዝተፈለየ ኮይኑ'የ ዝረኽቦ ይብል ዶ/ር ዓወት ወ/ሚካኤል። ኢትዮጵያ እቲ ምስ ግብፂ ዝተጠቀመትሉ ብልሒ ምስ ኤርትራዊ'ውን ክትደግሞን ብሕልፊ ኣብ ምስሕሓብ ዶብ ንኤርትራ ካብ ዝተወሰነ ከባቢታት ክትስሕብን ይፅውዕ።

ኣቶ ዳደ ደስታ ብወገኑ፣ኣብ'ዚ መዋእል'ዚ ሓድሽ ኣፈታትሓ እቲ ምስሕሓብ ከምዝጠልብን ብመሰረቱ ውዕል ኣልጀርስ ፈሪሱ'ዩ ዝብል እምነት ስለዘለኒ ንእዋና ዝምጥን ኣንፈት ኣፈታትሓ ፀገም ክልቲኦም መንግስታት ክስዕቡ ኣለዎም ይብል። ከይዋዓሉ ከይሓደሩ ሎሚ ናብ ልዝብ ይመለሱ'ውን ይብል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:12:38 0:00

XS
SM
MD
LG