ስምምዕ ኣጠቃቅማ ማይ ሃገራት ተፋሰስ ፈለግ ናይል ካብ ትማሊ 13 ጥቅምቲ 2024 ጀሚሩ ናብ ተፈፃምነት ምብጽሑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም።
እዚ ናይ ምትሕብባር ቕጥዒ ደቡብ ሱዳን ነቲ ጥርናፈ ድሕሪ ምሕዋሳ ዝተረጋገጸ ከምዝኾነ እቲ ተበግሶ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኢትዮጵያ፡ ኡጋንዳ፡ ሩዋንዳ፡ ብሩንዲን ታንዛንያን ነቲ ስምምዕ ክቕበላ ከላ ሱዳንን ግብጺን ግን ነቲ ስምምዕ ነጺገን ኣለዋ። ኮንጎ ድምጺ ተዓቕቦ ዝሃበት ክትከውን ከላ ኬንያ ድማ ነቲ ሰነድ ገና ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ኣየረጋገጸትን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ እቲ ቅጥዒ ስምምዕ ሃገራት ተፋሰሰ ናይል ናብ ተፈፃምነት ምእታዉ ንማያት ኣባይ ፍትሓውን ምኽንያታውን ብዝኾነ መገዲ ንምጥቃም ዝተገብረ ነዊሕ ጉዕዞ ዘብቅዓሉ’ዩ ኢሎም ።
ነቲ ሕብረት ስምምዕ ክቃወማ ዝፀንሓ ግብፅን ሱዳንን ብወገነን ኩሉ ዘይተሰማምዓሉን ንዝተለምደ ኣሰራርሓን ዓለምለኸ ሕጊ ዝጥሕስን’ዩ ብምባል ከምዘይቅበሎ ምግላፀን ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።
ካብ ዓርቢ 11 ጥቅምቲ 2024 ጀሚሩ ኣብ ካይሮ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ኣኼባ ጥርናፈ ተፋሰስ ፈለግ ኒል ምስ ኣጠቃቅማ ማይ ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ዝተዛተያ ግብፅን ሱዳንን እቲ ስምምዕ ነቲ ኣብ 1929ን 1959ን ዝተፈረመ ስምምዕ ማይ ኒል ዝጥሕስ’ዩ ኢለን’ለዋ።
ግብጺ ኣብ ቀረባ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ፖሊሲ ኣብ ልዕሊ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ብምቅዋም ናብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ምጽሓፋ ይዝከር።
ግብጺ ነቲ ደብዳበ ዝፀሓፈት ኢትዮጵያ ካብ ዓብይ ግድብ ህዳሴ 3ይን 4ይን ተርቢናል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከተመንጩ ምጅማራ ድሕሪ ምግላፃ’ዩ።
ኢትዮጵያ ብቁጠባ ንኽትዓቢ ንዘለዋ መሰል ትትግብር ምህላዋ’ያ ትምጉት።
ቅጥዒ