ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዓመተ 2018 ክካየድ ኣምባሳደር ኒኪ ሄሊ ጸዊዐን


ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒኪ ሄሊ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ንነዊሕ ክጓተት ዝፀንሐ ምርጫ ክተካይድ ኣለዋ፣እንተዘይኮኑ ግን ዓለምለኸ ሓገዝ ኣይክትረክብን እያ ኢለን።

ንሰን ምስ ናይታ ሃገር ኮሚሽን ምርጫ ሎሚ ዓርቢ ድሕሪ ምርኻበን ኣብ ዋና ከተማ ኮንጎ ኪንሻሳ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብኦ መግለፂ “ኣብ 2018 ነፃን ሚዛናዊን ምርጫ ክካየድ፤ኣብ መወዳእታ ከይኮነስ ኣብ መጀመሪያ ብቕልጡፍ ክካየድ ንደሊ’’ ኢለን።ፕረዝዳንት ጆሴፍ ካቢላ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ምርጫ ከምዝካየድ ክገልፁ እውን ፀዊዐን።

ምርጫ ኣብታ ሃገር ኣብ 2016 ዓ.ም ክካየድ እንተነበሮ እውን ኣይተኻየደን፤ካቢላ እውን ዋላ’ዃ ክልተ ናይ ስልጣን ዘበኖም እንተሓለፈ እውን ስልጣን ኣይገድፍን ኢሎም ኣለው።

ናይ ኮንጎ ኮሚሽን ምርጫ ክሳብ ሚያዚያ 2019 ዓ.ም ቅሩብ ኣይኮንኩን ክብል ከሎ ተቓዋሚ ድማ ካቢላ ንደረት ሕገ መንግስቲ ንምቕያር ግዜ ንምኽሳብ እዮም ዘፅንሑዎ ዘለው ክብል ይኸስስ።

ኒኪ ሄሊ “ኣሜሪካ ኣብ 2019 ክካየድ እዩ ንዝብል ኣይትድግፎን፤ማሕበረሰብ ዓለም እውን ኣይድግፎን እዩ’’ ኢለን።

XS
SM
MD
LG