ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስድራ ቤት ብቦኮ ሓራም ዝተጨውያ ኣዋልድ ቺቡክ ሕጂ’ውን ይሳቐዩ’ለው


ፋይል- ካብ ብዕጡቓት ጉጅለ ቦኮ ሓራም ዝተፈነወ ዝተወስደ ስእሊ ዝተጨውያ ኣዋልድ ቺቦክ
ፋይል- ካብ ብዕጡቓት ጉጅለ ቦኮ ሓራም ዝተፈነወ ዝተወስደ ስእሊ ዝተጨውያ ኣዋልድ ቺቦክ

ኣብ 14 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም.ፈ ቦኮ ሓራም ን219 ኣዋልድ ተማሃሮ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀሪያ ከተማ ቺቦክ ዝጨወየን።እዘን ተማሃሮ ምስተጨውያ ድሕሪ ሓደ ወርሒ እየን ኣብቲ ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለ ናይ ፕሮፖጋንዳ ቪዲዮ ዝተርኣያ፤ካብኡ ወጻኢ ኣበይ ከመዘለዋ ኣይፈለጥን።ወለደን ህይወትና ፍጹም ተለዊጡ ይብሉ።

ቦኮ ሓራም ጽኑዕ እስላማዊ ሕጊ ኣብ ሰሜን ናይጀሪያ ንምምስራት ዘመተ ካብ ዝጅምር ማሕበረሰባት ተበቲኖም፣ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎምን 20ሽሕ ሰባት ድማ ተቐቲሎምን እዮም።

እቶም ደቆም ዝተጨወይዎም ስድራቤታት ድማ ምሒር እዮም ተሳቖዮም።ካብ ከተማ ቺቦክ ካብ ዝምሃራሉ መንግስታዊ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ 2014 ዓ.ም.ፈ ተጨውየን ካብ ዝተወሰዳ 219 ኣዋልድ ናይ ሓንቲ ወላዲ ያዋለ ዱኒያ ከምዚ ይብል።

‘ብዛዕባ ጓለይ ክሓስብ ከለኹ ከምዝሓመመ ሰብ ነብሰይ የንቀጥቅጠኒ።’

እቶም ዕጡቓት ቦኮ ሓራም ንመንበሪ እተን ተማሃሮ ብምውራር ዓፊኖም ወሲዶምወን።መንግስቲ ነቲ ቤት ትምህርቲ ዳግም ክሃንጾ እየ ኢሉ ቃል ኣትዩ ነይሩ እንተኾነ ግን ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓደ ዝተሰርሐ ነገር ግን የለን።

ቦኮ ሓራም እዚ ከይኣኸሎ ኣብ ሕዳር 2014 ዓ.ም.ፈ እውን ንከተማ ቺቦክ ወሪሩ ንሓጺር እዋን ተቖጻጺሩዋ ነይሩ።ኣብ ጥሪ እውን ክልተ ርእሰ ቕትለታዊያን ኣብታ ከተማ ንዝርከብ ዕዳጋ መጥቓዕቲ ብምፍጻም ብዉሑዱ ን10 ሰባት ቀቲሎም።

ብዙሓት ስድራ እተን ዝተጨውያ ኣዋልድ ሃዲሞም እዮም።ገሊኦም ኣብ ዋና ከተማ እታ ክፍለ ግዝኣት ማይዱግሪ ይነብሩ ኣለው።

ኣኩኣ ንሓንቲ ዝተጨውየት ጓል የሪማ ኣጂ ከምዚ ይብል።

‘ብህይወት ኣላ ወይ ሬሳ ሪኢና ሞይታ’ላ ምበልናኮ ድሓን ነይሩ።ኣብ ጫካ ኢያ ዘላ፤ኣበይ ከምዘላ ግን ኣይንፈለጥን።’

ኣቦ መንበር ማሕበር ስድራ ዝተጨውያ ኣዋልድ ያኩቡ ንኬኪ እቲ ጃምላዊ መጭወይቲ ካብ ዝፍጸም ጀሚሩ 18 ወለዲ ናይተን ኣዋልድ ሞይቶም ኣለው፤ተደራራቢ ሓዘን እዩ ዘስዕብ ኣሎ ይብሉ።

እቲ መጭወይቲ ማህበረሰብ ዓለምለኸ ዝኾነኖ’ዃ እንተኾነ ኣስዒቡ ኣብ ዙሪያ ናይጀሪያ ዳርጋ መዓልታዊ ብዝብሃል ሰልፍታት ተኻየዱ እዩ።ሓድሽ ፕሬዝዳንት ናይጀሪያ እውን ነተን ኣዋልድ ክመልሰን እየ ሎሚ ቃል ኣትዮም ነይሮም።ዘድሓነን ግን የለን።

ወለደን እውን ብተስፋ ካብ ምጻባይ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ የብሎምን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ስድራ ቤት ብቦኮ ሓራም ዝተጨውያ ኣዋልድ ቺቡክ ሕጂ’ውን ይሳቐዩ’ለው
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:52 0:00


XS
SM
MD
LG