ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይጀርያዊት ረበካ ደሊ ተሸላሚት ዝበለጸት ሽልማት ሰብኣዊነት ኮይና


ፋይል- ብቦኮ ሃራም ተጨውየን ዝተለቓ ደቂ ኣንስትዮ
ፋይል- ብቦኮ ሃራም ተጨውየን ዝተለቓ ደቂ ኣንስትዮ

ናይጀርያዊት ረበካ ደሊ ንግዳያት ቦኮ ሓራም ብተበርኽቶ ሓገዝ ተሸላሚት ሰኢሮ ደ ሜሎ ክትኸውን ከምዝበቕዓት ተገሊጹ’ሎ።

ናይጀርያዊት ረበካ ደሊ ኣብቲ ቀዳም 19 ነሓሰ, 2017 ንዝኽሪ ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊነት ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ነዚ ሽልማት ዝተረቑሓት ኮይና ንሳ ነዚ ሽልማት ዝተዋህበት ብጉጅለ ቦኮ ሓራም ንዝተጨውያ ደቂ ኣንስትዮን ወለዶም ዝሰአኑ ዘኽታማት ብትህቦ ሓገዝ እዩ።

ሽልማት ሰሪጎ ደሪራ ደሜሎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝወሃብ ኮይኑ ንዝኽሪ ኣብ ነሕሰ 19,2003 ዓ.ም ኣብ ባቕዳድ ዒራቕ ብግብረ ሽበራ ንዝተቐትለት ሰሪጎ ቬራን 21 ካልኦትን ንምዝኻር ኮይኑ እቲ ሽልማት ንተባዓት ዓለም ብዙሕ ትኹረት ንዘይገብረሎም ኣብ ሰብኣዊ ስርሓት ዝተዋፈሩ ውልቀ ሰባት ወይ ጉጅለ ዝወሃብ እዩ።

ረበካ ደሊ ጓል 57 ዓመት ኮይና ጓል ሽዱሽተ ዓመት ኮይና ንዘጋጠማ ጾታዊ ዓመጽን ኣብ ንእስነትና ዝነበረ ድኽነትን ሓሊፋ ብማእረግ ዶክትሬት ዝተመረቐት ኮይና ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ገዛእ ርእሳ ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካል ብምምስራት ነዞም ግዳያት ከምትሕግዝ ትገልጽ።

ረበካ ኣብ ናይጀርያ ሰለስተ ናይ ሞያ መሰለጠኒ ማእከላት ብምምስራት ነተን ግድያት ሞያ ስፌት ክዳን፡ ኮምፒተርን ስነ ጽባቐን ተሰልጥን ምስ ተመረቓ ድማ ነፍሰን ዝኽእላሉ ገንዘብ ብምሃብ በቲ ሞያ ክሰርሓ መተባብዒ ከምትህብ’ውን ተረድእ።

XS
SM
MD
LG