ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ዓብይ ኩባንያ ነዳዲ ናይጀርያ ብሰንኪ ውሕጅ ምቕራብ ነዳዲ ክጽገም ምዃኑ ይገልጽ


ፋይል
ፋይል

ሓደ ዓብይ ኩባንያ ነዳዲ ናይጀርያ ኣብታ ሃገር ብዘጋጥም ዘሎ ሓያል ሓደጋ ውሕጅ ብዘስዓቦ ዕንቕፋት ከም መሰረት ውዑሉ ነዳዲ ምቕራብ ክፅገም ምዃኑ ገሊፁ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ንዘሎ ኲናት ስዒቡ ድልየታት ዓበይቲ ቁጠባታት ኣፍሪቃ ምስ ምውሳኹ ተተሓሒዙ ከባቢያዊን ዓለምለኻዊን ድልየታት ከማልእ ይኽእል'ዶ ዝብል መዘራረቢ ኮይኑ ይርከብ።

NLNG ሊሚትድ ዝተባህለ ዓብይ ኩባንያ ነዳዲ ናይጀርያ ሓያል ውሕጅ ብዘስዓቦ ሓደጋ ብመሰረት ዉዑሉ ንሓይሊ ኤሌክትምሪክን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት መመንጨዊ ዝውዕል ቀረብ ነዳዲ ንምቕራብ ክፅገም ምኻኑ ገሊፁ። እዚ ካብ ዓለምለኻዊ ወርሓዊ ቀረባት 3.8% ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ውሕጅ ክሕሰ ስለዝኽእል ዝለዓለ ወሰኽ ዋጋ ከስዕብ ከምዝኽእል መፅናዕቲ ሓይሊ ራስታድ ገሊፁ።

NLNG ምስ መንግስቲ ናይጀርያ ሽርክና ዘለዎ ትካል እዩ። እዚ ትካል ነቲ ናይ ለንደን ሼልን ናይ ጣልያን ኤኒን ሓዊሱ ዝለዓለ ብፅሒት ዝሓዘ ኮይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ 20 ሚልዮን ቶን ዝተፃረየ ተፈጥሮኣዊ ነዳዲ ዘመንጭው ዓብዪ ኩባንያ ነዳዲ እዩ። ይኹን’ምበር ብምኽንያት ስርቂ ነዳድን ስርዓት ዝሰኣነ መተሓላለፊ ነዳዲ ናይ ምፍራይ ዓቕሙ ናብ 68% ኣብ ዓመት ክወርድ ኪኢሉ እዩ።

XS
SM
MD
LG