ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ናይጀርያ ዝተጨወዩ ተማሃሮ ንምፍታሕ ገንዘብ ከይክፈል ኣዚዙ


ንመጭወይቲ ተማሃሮ ብዝምልከት ናይ ተቓውሞ ጭርሖ ዝሓዘ ቆልዓ
ንመጭወይቲ ተማሃሮ ብዝምልከት ናይ ተቓውሞ ጭርሖ ዝሓዘ ቆልዓ

ፕረዚደንት ናይጀርያ ንዝተጨወዩ ልዕሊ 250 ተመሃሮ ንምፍታሕ ዝክፈል ገንዘብ ከይወሃብ ኣዚዙ።

ወለዲ ደቆም ንምውጻእ ብዙሕ ገንዘብ ይሕተቱ ከምዘለዉ ክሕብሩ ጸኒሖም`ዮም። ቅድሚ ሎሚ ዝጭወዩ ተመሃሮ ገንዘብ ብምኽፋል ክፍትሑ ጸኒሖም`ዮም።

ገለ ካብቲ ንምፍትሖም ዝግበር ስራሕ ምስ ሰበ-ስልጣን ከይተረፈ ዝርርብ ብምክያድ ይፈጸም ከምዝነበረ ይግለጽ`ዩ፡ ሰበ-ስልጣን ግን ነዚ ኣሉታዊ ምላሽ ይህቡ።

ሚንስተር ዜና ናይጀርያ ትማሊ ረቡዕ ከም ዝሓበሮ፡ ፕረዚደንት`ታ ሃገር ንጨወይቲ ክፍሊት ከይወሃብ ኣዚዙ`ሎ። ነቶም ቆልዑት ንምፍትሖም ብህጹጽነት ብምርኣይ ድማ ንትካላት ጸጥታ መምርሒ ተዋሂቡ ከም ዘሎ ተጠቒሱ`ሎ።

ኣብ ናይጀርያ ጭውያ ተመሃሮ ብተደጋጋሚ ከም ዝፍጸም ክግለጽ ዝጸንሐ`ዩ። ቅድሚ 10 ዓመታት ብቦኮ- ሓራም ዝተጨውያ ኣስታት 300 ኣዋልድ ተመሃሮ ኣዘራራቢ ዜና ምንባሩ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG