ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይጀሪያ ንጭካነ ፖሊስ ብምቕዋም ሰልፊ ተኻይዱ


ኣብ ናይጀሪያ ኣንቃሕቲ ማሕበረሰብ /ኣክቲቪስት/ ብፖሊስ ንዝተፈፀመ ጭካነ ንምቅዋም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ግዙፍ ናይ ጎደናታት ሰልፊ ቀዳማይ ዓመት ንምዝካር ኣብዚ ሰሙን ብሰልፊ ንምኻብር ክተኣኻኸቡ እዮም።ቲሞቲ ኦብየዙ ካብ ኣቡጃ ከምዝፀብፀቦ ብዙሓት ግዳያት ፖሊስ ገና ፍትሒ ከምዘይረኸቡ ይዛረቡ።

ሓዋ ንወዲ 20 ዓመት ቺጃኮ ዝኾነት ኦቢያንጁኢዮኒያስ ናይ ናይጀሪያ ዘይምሕር ፍሉይ ፀረ ዘረፋ ኣሃዱ ፖሊስ SARS ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኣብ 2012 ኣ\ፈ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ክፍለ ግዝኣት ኣናምብራ ኣብ ዝኾነ ተሃድሶ እናሃለወ ካእስሩዎ ከለው ንናይ መወዳእታ እዋን ዝርኣየቶ ኣብቲ እዋን ነይሩ።ከምዚድማ በለት።

‘’ኣብ ዕድመ ንእሰነት ዝግበር ነገር እዮም ዝሰርሑ ነይሮም፤እናሰተዩን ድምፆም እናስምዑን ነይሮም።ሽዑመፂኦም ንኹሎም ኣሲሮምዎም።እዚ ንዝኾነ ይኹን ሰብ ንምቕታል ብቑዕ ምኽኒያት ኣይኮነን’’ ትብል።

ንሰባት ብምስቓይ፣ብፆታዊ ዓመፅን ዘይሕጋዊ መቕተልትን ዝኽሰስ SARS ምኽኒያት ናይ ሓዋ ሞት እዩ ትብል ንሳ ብምውሳኽ።

እቲ ኣሃዱ ክብተን ብምሕታት ናይ ጎደና ተቓውሞ ሰልፍታት ዝጀመረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዩ።

ሰበስልጣን ነቲ ናይ ፖሊስ ኣሃዱ ምስ በተኑዎ እውን ምምሕያሽ ሰናይ ምምሕዳር ብምሕታት እቲ ሃገር ለኸ ተቓውሞታት ቀፂሉ።እቲ ተቓውሞ ኣብ ሌጎስ ብዝተፈፀመ ደማዊ ቶኽሲ ነይሩ ዝተኸምበተ።12 ሰባት ከምዝተቐተሉ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ይገልፅ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣቡጃ ሓዊሱ ኣብ መላእ ከተማታት ናይጀሪያ ኣሽሓት ሰልፈኛታት ንግዳያት ዘስካሕክሕ ግፍዒ ፖሊስ ንምዝካር ክስለፉ እዮም።ናይ ፖሊስ ግፍዒ ከብቅዕ ፃውዒቶም ከም ብሓዱሽ ኣልዒሎም ኣለው።

ኣክቲቪስት ደጂ ኣደያንጁ ‘’ብሓቂ ብዓርሰ እምነት ንፍርሕና ብምስዓር ኣንፃር ንሃገርና ዝጎድእ ሕድሕድ ነገር ሓቀኛ መአረምታ ክነምፅእ ኣለና’’ ትብል።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰበስልጣን መርማሪ ጉጅለ ብምጥያሽ ንግዳያት ካሕሳ ክረኽቡ ወሲኖም።

እቲ ኮሚቴ ሶኑይ ኣብ ሌጎስ ከምዝበሎ ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ካብ ዘመልከቱ ልዕሊ 250 ግዳያት ንቶም 70 ኣማእቲ ኣሽሓት ዶላር ከፊልና ኢና ይብል።

ኣክቲቪስታት ግን እቲ መስርሕ ዝሕቱል ከምኡ ድማ ጥፍኣተኛ ኮይኑ ተረኺቡ እናሃለወ ዝተኣሰረ ዋላ ሓደ ፖሊስ የለን ይብሉ።

ሲንቲያ ባማሉ ንሕድሕድ ግዳይ ካሕሳ ክሳብ ዝኽፈል፣በቲ ኮሚቴ ጥፍኣተኛ ዝተብሃሉ ኩሎም ፖሊሳት ክሳብ ዝእሰሩ ፍትሒ ተረጋጊፁ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን ትብል።

ወሃቢ ቃል ኣምንስትቲ ኢንተርናሽና ሰውን ባካሬ ከምዚ ‘’ሰበስልጣን ናይጀሪያ ብሓይልታት ፀጥትኦም ዝተፈፀሙ ገበናት ፍትሒ ንምርግ ጋፅ ክሳብ ዝኣበዩ እቲ ክሲ ክቕፅል እዩ’’ ይብል።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግዳያትን ሰልፈኛታትን ተዘክሮታትን ፀልዋን ጭካነ ፖሊስ ኣይርሳዕን ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ኣብ ናይጀሪያ ንጭካነ ፖሊስ ብምቕ ዋም ሰልፊ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:16 0:00


XS
SM
MD
LG