ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይጀርያ ንዘሎ ጸገም ቁጠባ ብዝምልከት ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ተካይዱ


ነበርቲ ከተማ ኢባደን ናይጀርያ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘሎ ከቢድ ጸገም ቁጠባ ቁጠዔኦም ንምግላጽ ትማሊ ሰኑይ ናብ ጎደናታት'ታ ከተማ ብምውጻእ ተቃውሞኦም ኣስሚዖም።

ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ጭርሖታትን ብምሓዝ ንሕማቅ ምሕደራን ናህሪ ዋጋ መግብን ብምቅዋም ብማእኸል'ታ ከተማ ኣቢሎም ናብ ምምሕዳር ከተማ ምምርሖም ተገሊጹ'ሎ።

ኣብ ፍትውቲ ሃገረና ንመዓልቲ ሰለስተ ግዜ ወላ እውን ክልተ ግዜ ክበልዕ ዝኽእል ወላ ሓደ የለን ክብል ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ሶዲቃ ኮረደ ተዛሪቡ።

ናይጀርያ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝኸፍኣ ዝተባህለ ቅልውላው ቁጠባ ኣጋጢምዋ'ሎ።

ኣብ ቀረባ ዝወጸ መንግስታዊ ኣሃዝ ከም ዘርእዮ ዝቅባበ ገንዘብ ናይጀርያ 29.9% ምብጽሑን እዚ ካብ 1996 ንደሓር ዝለዓለ ዝተራእየ'ዩ።

ዋጋ ባጤራ ናይጀርያ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ብ 230% ነኪዩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG