ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቓት ቦኮ ሓራም ብISIS ሰልጢኖም ይብሉ ፕሬዝዳንት ጉድላክ ጆናታን


ናይ ናይጀሪያ ፕሬዝዳንት ጉድላክ ጆናታን ተዋጋእቲ ቦኮ ሓራም ብጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ/ISIS/ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ስልጠና ምውሳዶም ገሊፆም።

እቶም ፕሬዝዳንት ነዚ ዝገለፁ መራሒ ቦኮ ሓራም ኣቡበከር ሸካው ውድቡ ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ንዝመደብሩ እስላማዊ መንግስቲ ዘለዎ ተኣማንነት ብወግዒ ድሕሪ ምግላፁ ድሕሪ ኣርባዕተ ማዕልታት እዩ።

ትማሊ ረቡዕ ምስ ቪኦኤ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ተዋጋእቲ ቦኮ ሓራም ዝሰልጠንሉ ዝርዝር ቦታ ኣይገልፁን።እቲ እስላማዊ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣብ ወፃኢ ምስ ዝርከቡ ተመሳሰልቲ ጉጅለታት ርክብ ከምዘለዎ ግን ንፈልጥ ኢና ኢሎም።

‘’እቲ ርክብ ንፈልጦ ኢና’’ ዝበሉ ንሶም ብምስዓብ ‘’ደረጃ ርክቦም፣ካብኦም ዝረኽቡዎ መጠን ገንዘብ፣ በዝሒ ኣፅዋርን ዜግነቶም ካበይ ምዃኑን ሎሚ እውን ዘይክንፈልጦ ንኽእል።ገሊኦም ኣባላት ቦኮ ሓራም ኣብ ናይ ISIS ካፕም ሰልጢኖም ዝተመልሱ ግን ኣለው እዮም’’ይብሉ።

ፕሬዝዳንት ጆናታን ዝቕፅል 28 መጋቢት ኣብ ዝካየድ ንሕንሕ ዝተመልኦ ምርጫ ዳግም ክምረፁ ይወዳደሩ ኣለው።ቀንዲ ተነሓናሒኦም ንAll Progressives Congress party ብምውካል ዝወዳደሩ ናይ ቀደም ወታደራዊ ገዛኢ ሙሓማዱ ቡሃሪ እዮም።ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ክካይድ ዝነበሮ ምርጫ ተናዊሑ እዩ።ወታደራት ናይጀሪያ ምስ ወታደራት ቻድ፣ካሜሩንን ኒጀርን ብምትሕብባር ንቦኮ ሓራም ካብ ገሊአን ከተማታት ደፊኦምዎ እዮም።

ፕሬዝዳንት ጆናታን ማዕበል ናዕበኛታት ክዕገት ዝኽኣለ ሳላ ምትሕብባር ጎረባብቲ ሃገራትን ምውናን ሓደሽቲ ኣፅዋርን እዩ ኢሎም።

ናይ ወፃኢ ወታደራት ናብ ውሽጢ ግዝኣት ናይጀሪያ ኣትዮም ንቦኮ ሓራም ንኽደፍኡ ኣይፍቀደሎምን ምስ በሉ እንተኾነ ግን ወታደራት ናይጀሪያ ንኣጠቓቕማ ዝወነኑዎ ሓድሽ ኣፅዋር ዘስልጥኑ ናይ ወፃኢ ቴክሊሻናት ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ከምዝርከቡ ሓቢሮም እቶም ፕሬዝዳንት።

ኣብቲ ስልጠና ክልተ ኩባኒያታት ይሳተፉ ከምዘለው ብምሕባር ዜግነትን በዝሕን እቶም ኣሰልጠንቲ ግን ንምግላፅ ፍቓደኛ ኣይኮኑን።ቀዳማይ ዘመን ስልጣኖም ብናይ ቦኮ ሓራም ናዕቢ እዩ ዝግለፅ ንዝብል ኣይተቐበሉዎን።

ፀጥታ ቀንዲ ዛዕባና፤ከም ሃገር እውን ቁፅሪ ሓደ ጉዳይና እዩ ብቦኮ ሓራም ግን ኣይንግለፅን ኢሎም።

ብዙሓት ሃገራት ይሳተፋሉ ዘለዋ መጥቓዕቲ ኣብ ዝቐፀለሉ እዋን ፕሬዝዳንት ጆናታን ሰሜናዊ ምብራቕ ክፍለግዝኣታት ዮብን ኣዳማዋን ኣብ መፋርቕ ዝቕፅል ሰሙን ካብ ቦኮ ሓራም ነፃ ክኾና እየን ክብሉ ተንቢዮም።እቲ ኣኽራሪ ጉጅለ ውግእ ዝጀመረሉ ክፍለግዝኣት ቦሮኖ እውን ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ሰሙናት ካብቲ ጉጅለ ነፃ ክትኸውን እያ ኢሎም ኣለው።

ቦኮ ሓራም ንናይ ዕዳጋ መደብራትን ኣብያተ ትንህርትን ብቦምብ ምጥቕዑ ክቕፅል ትፅብት ይግብሩ እቶም ፕሬዝዳንት።ስትራተጂ መንግስቶም ስራሕቲ ስለያ ብምምሕያሽ ከም ናይ ነዊሕ እዋን ስትራተጂ ነቲ ጉጅለ ንምጥፋእ ዕድላት ስራሕን ትምህርትን ከምዘመሓይሽ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG