ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይጀርያ ብዘጋጠመ ሕጽረት መግቢ ሚልዮናት ህጻናት ሓደጋ ጥምየት የንጸላልዎም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ናይጀርያ ልዕሊ 4-ሚልየን ሰባት ሕሱም ሕጽረት መግቢ ኣጋጢምዎም ከም ዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ንምርኣይ፡ ጋዜጠኛታት ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ወሲድዎም ኔሩ።

እዛ ኣብ ግዝኣት ቦርኖ ትርከብ ከተማ መድጉሪ ንጡፍ ምንቅስቓስ ይርኣያ: እቲ ኣብ መንጎ መንግስትን እስላማዊ ዕጡቓትን ዝካየድ ግጭት`ውን ዝርኣየት ኣይትመስልን። እንተኾነ ቆልዑ'ቲ ከባቢ ጽልዋ`ቲ ብሰንኪ ግጭት እናኸፍአ ዝኸደ ሕጽረት መግቢ ይንጸባረቖም።

ቢንቱ ሓሰን ክልተ ዓመት ዝዕድሚኡ ወዳ ናብ ሆስፒታል ሒዛቶ መጽያ`ላ- ሚዛኑ እናነከየ ከም ዝኸደ ድማ ትገልጽ።

"ኣርባዕተ ወሊደ ግን ክልተ ብሰንኪ ሕጽረት ምግብና ሞይቶምኒ። ክልተ ተሪፎምኒ- እዚ ድማ ሓሚሙ`ሎ። ናብዚ ሕክምና ከምጽኦ ተሓቢረ ድማ ኣምጺኤዮ ኣለኹ።

ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 700-ሺሕ ቆልዑ ኣብ ግዝኣታት ቦርኖ፡ ኣዳማዋ፡ ዮቢ፡ ብሕሱም ሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ኣለዉ- ።

እቲ ኩነታት ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ እናኸፍአ ከምዝኸይድ ድማ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ፡ ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን`ቲ ካብቲ ዝሓለፈ እዋን ዝኣተወ እኽሊ ዝውድኣሉ ስለዝኾነ ናይ ጥምየት ክፍተት ተባሂሉ ይግለጽ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናይጀርያ ብዝነበረ ዝኸፍአ ሓደጋታት ውሕጅ፡ እቶት ምህርቲ ተዓናቒፉ`ዩ። ኣወሃሃዲ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማቲያስ ሽክመይል "600 ሺሕ ሄክታር ሕርሻ ዓንዩን ብውሕጅ ተወሲዱን`ዩ። በሰንኪ'ዚ ድማ ከቢድ ዝኾነ ሕጽረት መግቢ ከምዘጋጥሞም ርዱእ'ዩ።"

ኣብ ዶብ ካሜሩን ዝርከቡ `ራን` ዝተባህሉ ኮሚኒቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ረድኤት ከም ዘይመጾም ይዛረቡ። ኬሉ ሞዱ ንባዕላ ሕጽረት መግቢ ስለዘጋጠማ ንቆልዓ`ኳ ከተጥቡ ከምዘይክኣለት ትገልጽ።

"ነዚ ቆልዓ ምስ ወለድኩ፡ እኹል ጸባ ጡብ ኣይነበረንን። ሽዕኡ እዚ ቆልዓ ተምላስን ውጽኣንት ክገብረሉ ጀሚሩ።"

ገለ ካብ ምኽንያታት ሕጽረት መግቢ ኲናት ሩስያ ኣብ ዩክሬንን ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ዳሕራዋይ ቅልውላውን ምዃኑ ይግለጽ። እንተኾነ ኣብ ናይጀርያ ዘሎ ዝቕባበን ኣብ ቀረባ ዝተገብረ ለውጢ ፖሊሲ ባጤራን ንዓቕሚ ምሽማት ሰባት ከም ዝደረቶ ሰበ-ስልጣን ይገልጹ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዩኒሰፍ ካራንቪር ሲንግ፡ ሽሕ'ኳ ረድኤት ናብ ካልኦት ዓለማዊ ቅልውላው ዘጋጠሞ ከባብታት ገጹ ዝገበረ እንተኾነ፡ ናብ ናይጀርያ ግን ገና ቀረባት መግቢ ምእታዉ ኣየቋረጸን ይብል።

ሓይልታት ጸጥታ ናይጀርያ ንዓቕሚ`ቶም እስላማዊ ዕጡቓት ከም ዘዳኸምዎ ድማ ይገልጽ።

እንተኾነ እታ ሃገር ገና ኣብ ኲናት`ያ ዘላ-እዚ ኲናት`ዚ ክሳብ ዝዓርፍ ድማ ሚልዮናት ምስቲ ካልእ ኲናት ክዋግኡ`ዮም- ንሱ ድማ ውግእ ምስ ጥምየት`ዩ ይብል።

XS
SM
MD
LG