ዋሽንግተን —
ኣብ ሰሜናዊ ማእከላይ ናይጀርያ፣ ብሰንኪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሑድ 140 ሰባት ከምዝሞቱ ዝረኸብናዮ ዜና ኣፍሊጡ።
ኣመሓዳሪ ክፍለ ሃገር ፕሌቶ ናይጀርያ ካሌብ ሙዋንግ እቲ ቀዳምን ሰንበትን ዝተፈጸመ ትርጉም አልቦን ዘይተኣደነን መጥቃዕቲ፣ ን17 ኮሚኒቲታት ዒላማ ዝገበረን ንብዙሓት ኣባይቲ ዘንደደን ምንባሩ ገሊጹ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጨንፈር ናይጀርያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ዛጊድ 140 ሰባት ከምዝተቀትሉ ኣረጋጊጹ'ሎ።
ነበርቲ እቶም መጥቃዕቲ ዘጋጠሞም ከባቢታት ሓገዝ ንክረኽቡ ዘቃልሕዎ ጻውዒት፣ ድሕሪ ኣስታት 12 ሰዓታት ግብረ መልሲ ከምዝተዋሃበሉ ንትካል ዜና ኣሶሴትድ ፕረስ ገሊጾም።
ቅጥዒ