ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይጀርያ ዘጋጥም ዘሎ ጭውያ ስድራቤት ይበታትን ቆልዑ ካብ ትምህርቲ የብኵርን ኣሎ


 ኣብ ናይጀርያ ዘጋጥም ዘሎ ጭውያ ስድራቤት ይበታትን ቆልዑ ካብ ትምህርቲ የብዅርን ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:04 0:00

ኣብ ናይጀርያ ዘጋጥም ዘሎ ጭውያ ስድራቤት ይበታትን ቆልዑ ካብ ትምህርቲ የብዅርን ኣሎ

ኣብ ናይጀርያ ይቅጽል ዘሎ ጸገም ጭውያ፣ ንስድራቤታት በታቲኑ፣ ቆልዑ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ንከይወፍሩ ዓንቃፊ ኮይኑ ኣሎ።

ወላዲት ኢስተር ጆሴፍ፣ 13-ዓመት ዝዕድሚኣ ጓላ ምስ ካልኦት መማህርታ፣ ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ ዓመታት ካብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምስተጨወያ፣ ዳርጋ ተጸሊላ ከምዝነበረት ትዛረብ። መዓልታት ድሕሪ’ቲ ጭውያ ምፍጻሙ፣ ደድሕሪ’ቶም ጨወይቲ ጓላ፣ ናብ’ቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ዱራት ክትኣቱ ምስፈተነት፣ ሰራዊትን መራሕቲ ኮሚኒቲን ኣይፋልክን ኢሎም ከምዝመለሱዋ’ውን ተዘንቱ።

ኣብ መወዳእትኡ ግና፣ ከም ቴለቭዥን፣ መዝሓሊ ኣየርን ካልኦትን ዝኣምሰሉ ናይ ገዛ ኣቁሑታ ሸይጣ፣ ካብ ቀረባን ርሑቅን ኣዝማዳ ብዝረኸበቶ ሓገዝ፣ ንጓላ ንምፍታሕ $1,256 ዶላር ኣመሪካ ክፍሊት ከፊላ ናጻ ከምዘውጸአታ ትሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG