ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራት ናይጀርያ ተመሃሮ ንዝጨወዩ ምህዳን ምጅማሮም ተሓቢሩ


ናይጀርያ- ፋይል
ናይጀርያ- ፋይል

ወተሃደራት ናይጀርያ ነቶም ዝሓለፈ ሰሙን ኣስታት 300 ተመሃሮ ዝጨወዩ ዕጡቓት ኣብ ምህዳን ተዋፊሮም ከምዘለው ይገልጹ።ነቶም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ግዝኣት ካዱና ዝተጨወዩ ተመሃሮ ንምድሓን ብሓይሊ ኣየርን ፖሊስን ዝተሰነየ ዳህሳስ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ቀጺሉ ከም ዘሎ ሮይተርስ ይሕብር።

ስድራቤት`ቶም ዝተጨወዩ ተመሃሮ ድሃይ ደቆም ንምስማዕ ተጨኒቖም ከም ዘለዉ እቲ ዜና ይጠቅስ።

ከምዚ ዓይነት ጭውያ ተመሃሮ ቅድሚ 10 ዓመታት ኣቢሉ`ውን ብዕጡቓት ቦኮ ሓራም ተፈጺሙ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሕሪኡ`ውን ገንዘብ ብዝደልዩ ዕጡቓት ተለሚዱ ጸኒሑ`ሎ።

ስድራቤታት ድማ ጥሪቶም ሸይጦም ኮነ ካልእ ንብረቶም ሸይጦም ደቆም የውጽኡ። ኣብ ሌጎስ ዝመደበሩ SBM ዝተባህለ ትካል ኣማኻሪ ስለያ: ድሕሪ ጭውያ ቦኮ ሓራም ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ጥራሕ 4,500 ሰባት ኣብ ምልእቲ ናይጀርያ ተጨውዮም ይብል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG