ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይጀርያ ዘጋጠመ ሓደጋታት 15 ሰባት ሞይቶም፣ 40 ደሃዮም ኣይተረኸበን


ኣብ ናይጀርያ ኣብ ሓደ ዘይሕጋዊ መጻረይ ነዳዲ ዝተላዕለ ፍንጀራ
ኣብ ናይጀርያ ኣብ ሓደ ዘይሕጋዊ መጻረይ ነዳዲ ዝተላዕለ ፍንጀራ

ኣብ ናይጀርያ ዞባ ደልታ ኣብ ሓደ ዘይሕጋዊ መጻረይ ነዳዲ ዝተላዕለ ፍንጀራ ብውሑዱ 15 ሰባት ሞይቶም።

እቲ ሓደጋ ነታጕ ዘጋጠመ ትማሊ ሰኑይ 2 ጥቅምቲ 2023 ኮይኑ ኣብቲ ነዳዲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምጽራይ ልሙድ ዝኾነሉ ክፍለ ግዝኣት ደቡባዊ ፈለግ ወረዳ ሞሃ'ዩ ኣጋጢሙ። ነበርቲ ብዙሕ ሬሳታት ሙሉእ ሙሉእ ብምንዳዱ ዝቆሰሉ ከኣ ብዙሓት ብምዃኖም ቁጽሪ ዝሞቱ ክውስኽ ይኽእል'ዩ ይብሉ።

ፖሊስ እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ኣረጋጊጹ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ብኻልእ ዜና ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ ክፍለ ግዝኣት ከቢ ሓንቲ ጀልባ ድሕሪ ምግልባጣ ብዉሑዱ 40- ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ'ሎ ክብል ሓደ በዓል ስልጣን'ቲ ከባቢ ንትካል ዜና ፈረንሳ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፉ እንተለዉ ንምርካቦም ጻዕሪ ይግበር'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG