ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ናይጀሪያ ንህዝቦም ምሕፅንታ ኣቕሪቦም


ኣኽራሪ እስላማዊ ጉጅለ ባኮ ሓራም ኣብዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ማዕልታት ካብቲ ከባቢ ለቒቕኩም ዉፁ እንተዘይኮይኑ ግን ዝኽተለኩም ሞት እዩ ኢሉ መጠንቀቕታ ምስ ኣወጀ ድሮ ኣማእቲ ሰባት ካብ ሰሜን ሃዲሞም ኣለው።

ናይ ናይጀሪያ ፕሬዝዳንት ጉድላክ ጆናታን ዝሓለፈ ቀዳም ብቴሌቪዥን እታ ሃገር ኣቢሎም ንህዝቢ ናይጀሪያ ኣብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እታ ሃገር ንዘጋጠምዋ ቅልውላዋት ኣብ ምምካት ምትሕብባር ክገብሩ ሓቲቶም።ተኸታታሊ መጥቓዕቲ እስልማዊያን ዘጋጥሞም ዘለው ኣብ ሰሜን ዝቕመጡ ክርስቲያን ካብ መንበሪኦም ምህዳም ጀሚሮም ኣለው።

ኣብ ሓደ እዋን ክልተ ተቐፃፀልቲ ቅልውላዋት ዘጋጠሞም ፕሬዝዳንት ጉድላክ ጆናታን መብዛሕቲኦም ኣብስግኣት ንዝኣተውን ንዝተቖጥዑን ሰባት ናይ ምርግጋእ ፃዕሪ ዝሓለፈ ቀዳም ንህዝቢ ናይጀሪያ ብቴለቪዥን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ነይሮም።

ብዙሓት ክርስቲያን ግን ብናይቶም ፕሬዝዳንት ግብረ መልሲ ይኹን ብዝተወሃበ ሓዱሽ ናይ ኣጆኹም መረጋገፂ ኣይዓገቡን።ኣኽራሪ እስላማዊ ጉጅለ ባኮ ሓራም ኣብዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ማዕልታት ካብቲ ከባቢ ለቒቕኩም ዉፁ እንተዘይኮይኑ ግን ዝኽተለኩም ሞት እዩ ኢሉ መጠንቀቕታ ምስ ኣወጀ ድሮ ኣማእቲ ሰባት ካብ ሰሜን ሃዲሞም ኣለው።

እቲ መጠንቀቕታ ማዕልቱ ምስሓለፎ ኣኽራሪ ጉጅለ ባኮ ሓራም ክፍፅሞ እየ ኢሉ ዝተሓነዮ መጥቓዕቲ ዝፍፅም ዘሎ ይመስል።ፕሬዝዳንት ማሕበር ክርስቲያን ናይጀሪያ ኣዮ ኦሪሳዳፎ እቲ ናይ ዓሌትን ሃይማኖትን ምፅናፍ ኣብ 1967 ኣ/ፈ ዝተወልዐን ንሕልፈ ህይወት ሓደ ሚሊዮን ሰባት ምኽንያት ዝኾነን ናይ ናይጀሪያ ሕድ ሕድ ዅናት ከምዘዘኻኸሮም ይገልፁ።ከምዚ ብምባል’’ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተሪኢና ከምዚ ኢሉ ከምዝጀመረ የዘኻኽረና።ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከምዚ ዓይነት መቕተልቲ ተፈፂሙ ነይሩ።ደቡባዊያን ካብ ሰሜን ንኸወፁ’ውን መጥንቀቕታ ተዋሂቡ ነይሩ።እቲ ቅልውላው ቀስ ኢሉ ምስተባርዐ ናብ ዅናት ሕድ ሕድ ማዕቢሉ።ኣብዚ ሕዚ እዋን ከምኡ ዝበለ ነገር ኢና ንርኢ ዘለና።’’ይብሉ።

መንግስቲ ኣብዝሓለፈ ሰሙን ንናይታ ሃገር ነዳዲ ይህቦ ዝነበረ ሓገዝ ጠጠው ካብዘብል ጀሚሩ ዋጋ ነዳዲ ብዕፅፊ ኣብ ገሊኡ ድማ ብሰለስተ ዕፅፊ ወሲኹ እዩ።መንግስቲ ነቲ ስጉምቲ ዝወሰደሉ እዋን ግን ንኽልተ ቅልውላዋት ናይ ምምካት ውሱን ተኽእሎ ንዘለዎ መንግስቲ ኣዐሪዩ ዝድርት እዩ።ፕሬዝዳንት ጆናታን ነቲ ኣብ ነዳዲ ዝወሃብ ዝነበረ ድጎማ ኣየሐድስን ምስበሉ የግዳስ ምሕፅንታ እዮም ኣቕሪቦም።

ኩሉኹም ናይጀሪያዊያን መሪር ፅልእን ቑጥዐን ኣወጊድኹም ብፍቕርን ሰላምን ንኽትነብሩ እፅውዕ ብምባል ‘’ንናይ ህዝቢ ሰላም ዘስግእ ዝኾነ ይኹነ ነገር ኣብዘጋጥም ናይ ፀጥታ ሓይልታትና ብዘይ ፍርሕን ኣድልዎን ሕጊ ከኽብሩ እዮም።’’ኢሎም።ብዘይካ ናይ ህዝቢ ምትሕብባር መንግስቲ ነቲ ቁጠባዊ ደውታን ዅናት ሕድ ሕድን ኣብ ምውጋድ ክሽገር ይኸውን።

XS
SM
MD
LG