ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይጀሪያ ክለተ መራሕቲ ሃይማኖት ተቐቲሎም


nigeria map
nigeria map
ኣብ ሰሜናዊ ናይጀሪያ እተን ዝሓለፋ ሸውዓተ ማዕልታት ደማዊ ነይረን።ኣብ ክፍለ ግዝኣታት ቦርኖን ኣዳማዋን ዓሰርተታት ሰባት ምስተቐተሉ ድሕሪ ሒደት ማዕልታት ፍሉጣት መራሕቲ ሃይማኖት እውን ኣብ ምወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ተቐንፂሎም ኣለው።ኣንፃር ኣኽረርቲ ድምፆም ብምስማዕ ዝፍለጡ መራሕቲ ሃይማኖት ዒላማ ይኾኑ ከምዘለው ነበርቲ ይዛረቡ።
ወታደራዊ ሓይሊ ናይጀሪያ ኣብታ ሃገር ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ክካየድ ዝፀንሐ ናዕቢ ብቕልጡፍ ከጥፍኦ እየ ኢሉ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምእዋጁ እቲ ምፍሳስ ደም ገዲዱዎ’ሎ።ዕጡቓት ንከተማታት ወሪሮም፣ንቤተ ክርስቲያንን ንኣውቶቡስን ብቦምብ ኣጥቒዖም።

ዝሓለፈ ዓርቢ ናይ ህፁፅ ኣዋጅ ካብዝተኣወጀለን ሰለስተ ክፍለግዝኣታት ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ኣብ ኣዳማዋ ሓደ ካህን ተቐቲሎም።ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ለይቲ ድማ ኣባላት እስላማዊ ቦኮ ሓራም ተሓቢኦም ኣብ ዝተረኸቡላ ኣብ ከተማ ዛሪያ ናይ ሸኽ ኣዳም ኣልባኒ መኪና ብሓዊ ተቓፂላ።ኣብቲ መጥቓዕቲ እቶም ሸኽ፣ብዓልቲ ቤቶምን ውላዶምን ተቐቲሎም።

እቶም ካህን ኣኽረርቲ ኣብ ዝምልምሉሎም ከባቢታት ኣንፃር እቶም ኣኽረርቲ ድምፆም ብምስማዕ ይፍለጡ ይብሉ ኣብ ዋና ከተማ ናይጀሪያ ደላሊ ኣባይቲ ዝኾኑ ጋድዊን ኣዲዪ።’’ንሰላም ካብ ዝሰብኩ መራሕቲ ሃይማኖት ሓደ ነይሮም።ስለ ሰላም ብምስባኾም እዮም ዝቐንፀሉዎምን ንቤተሰቦም እውን ዝቐተልዎምን’’ኢሎም።

ዕጡቓት ኣኽራሪ ቦኮ ሓራም ኣብቶም ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን ኣብያተ ክርስቲያን፣መሳጊድ፣ኣብያተ ትምህርቲ፣መራኸቢ ብዙሃን፣ሓይልታት ፀጥታን ትካላትን መንግስትን ዒላም ብምግባር ንኣሽሓት ቐቲሎም ተባሂሎም ይኽሰሱ።

ዋና ፀሓፊ ጃናቱ ናስሪል እስላም ብዝብል ናይ ዝፍለጥ ኣብ ሰሜን ናይጀሪያ ንዝርከባ ትካላት ምስልምና እትጥርንፍ ትካል ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል እቲ ቕትለት ቦኮ ሓራም ከምዝፈፀሞ ከምዝዝረብን ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ግን ከምዘየለን ይገልፁ።

ኣልባኒ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀሪያ ትምህርቲ ንኽስፋሕፋሕ ፅኑዕ ሰባኺ ከምዝነበሩ ይገልፁ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ወታደራዊ ሓይሊ ናይጀሪያ ነቶም ናዕበኛታት ካብ ብዙሓት ከተማታት ደፊኦም ኣውፂኦምዎም።እቶም መጥቓዕትታት ግን ኣብ ገጠራት ቀፂሎም ኣለው።
ካልኦት ወሃቢቲ ሪኢቶ እቲ ቕትለት ጠጠው ንምባል እንኮ መንገዲ ዝርርብ ምክያድ እዩ ይብሉ።

ናይ ኣባይቲ ደላሊ ዝኾኑ ኣዲዪ ካብ ኣቡጃ ነቲ ህውከት ሃፍታማት ፖለቲከኛታትን ሰበስልጣንን ብገንዘብ ከምዝሕግዝዎ ይከራኸሩ።እዚ ዝውሃብ ሓገዝ እንተድኣ ተበቲኹ ቀንዲ መሳርሒ ዝኾኑ ድኻታት መናእሰይ ናብ ገዛውቶም ክምለሱ እዮም ይብሉ ብምስዓብ።
XS
SM
MD
LG