ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ናይጀሪያ ካብ “ኣዋልድ ቺቦክ” ሓንቲ ኣድሒኑ፡ ዝተረፋ ክምለሳ ዝደልያ እንተዀይነን ግን ንጹር ኣይኰነን


ሰራዊት ናይጀርያ ገለ ካብ ዝተጨወያ ኣዋልድ ቺቦክ ኣብ ዘድሓነሉ ዝተወስደ - ፋይል
ሰራዊት ናይጀርያ ገለ ካብ ዝተጨወያ ኣዋልድ ቺቦክ ኣብ ዘድሓነሉ ዝተወስደ - ፋይል

ሰራዊት ናይጀሪያ ኢሂ ዓብዱ ዝተባህለት ካብተን ኣብ 2014 ዝተጨውያ ኣዋልድ ምድሓኑ ገሊጹ። በቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ስርሒት ካልኦት 330 ተጨውየን ዝነበራ’ውን ከም ዝተለቐቓን ገሊጹ።

ኢሂ ዓብዱል ካብ መንጎ’ተን ኣብ 2014 ዝተጨውያ 275 ኣዋልድ ቺቦክ’ያ። ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ በረኻታት ሳምቢሳ ንሸሞንተ ኣባላት ቦኮ-ሓራም ክትምርዖ ከም ዝተገደደትን ክልተ ቆልዑ ከም ዝወለደትን ትገልጽ።

ኢሂ ዓብዱልን ካልኦት ካብ መጭወይቲ ዝተለቐቓን፡ ዝሓለፈ ወርሒ ሕክምናዊ ሓገዝ ክግበረልን ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ምምሕዳር ክፍለ-ሃገር ቦርኖ ተረኪበን ኣለዋ።

ሕጂ ጓል 27 ዓመት ዘላ ኢሂ ገለ ካብተን ኣብ እዋኑ ዝተጨውያ ክምለሳ ዝደልየ እንተዀይነን ትጠራጠር።

ንሳ ኣብ መጨረሽታ፡ ካብቶም ወታሃደራት “ናብ ቀረባ ቦታ ክንበጽሕ” ኢለን ካብቲ መዓስከር ምስ ረሓቓ ክሃድማ ከም ዝኽኣላ ትገልጽ። ኣስዒባ ድማ ካብተን ኣብ ፈለማ እዋን ምስኣ ተጨውየን ዝተወስዳ ኣዋልድ ከም ትረኸብን ከም ዝነበረት ትሕብር። ገሊኣተን ክምለሳ ከም ዘይደልያ ድማ ትነግር።

ሕጂ ካብ’ቶም ዕጡቓት ምስ ተገላገለት’ውን እስላማዊ ትምህርቲን ክትቅጽል ከም እትደሊ ድማ ትነግር።

ሎሚ ብዝሖምን ሓይሎም ኣዝዩ ዝጎድል ዘሎ ዕጡቓት ቦኮሓራም ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይጀሪያ ብዙሕ ምጕስቓል ፈጢሮም’ዮም። ኣዋልድ ክጨውዩ፡ መጥቃዕታት ክፍጽሙን ጨውዮም ብሓይሊ ክምርዓዉን ድማ ዝውቱር ተርእዮ ገይሮሞ ነይሮም።

ካብቲ መጭወይቲ ዝተላቐቐት ፋቲማ ዓብዱል ዝተባህለት ካልእ ዜጋ’ውን ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ቦኮ-ሓራም ዘሕለፈቶ ግዜ ክትገልጽ እንከላ፤ “ህይወት ኣዝዩ ኣሰልካዪን ዕብዑብን’ዩ። እኹል መግቢን ማይን የሎን። ንባዕሎም እቶም ተቓለስቲ ኣባላት ቦኮሓርም’ውን ብዋሕዲ ቀረባት ይሳቐዩ’ዮም።”

ንሳ ኣስዒባ ብተደጋጋሚ ኣካላዊ መግረፍቲ ከም ዘጋጥመን ትግለጽ። ካብ ኣርባዕተ በበይኖም ኣባላት እቲ ጉጅለ ኣርባዕተ ቆልዑ’ያ ወሊዳ።

ሰራዊት ናይጀሪያ በበይኑ ስርሒታት ኣበጊሱ ንዕጡቓት እቲ ጉጅለ ክድምስስ ይፍትን ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ጥራይ በቲ ስርሒት 600 ተጨውዮም ዝነበሩ ዜጋታት ኣውጺኡ።

ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ናይጀሪያ ዝዀነ ሙሓመድ ዓብዱላሂ ነተን ካብ መጭወይቲ ዝደሓና ኣዋልድን ኣንስቲን ካብ ዝከናኸኑ ሓደ’ዩ። በቲ ስርሒት ምስ ወጽኣ ድማ ንዓኣተንን ደቀን ዘድሊ ቀረባትን ሕክምናዊ ሓገዛትን ከም ዝግበሩለን ይሕብር። ካብ መንጎ’ቲ ዝቕርብ ሓገዛት ነቶም ቆልዑን ኣንስቲን ዝወሃብ በበይኑ ክታበት’ውን’ዩ።

ሜጀር ጀነራል ዋሂዲ ሽዋይቡ ነቲ ስርሒት ዝመርሕ ዘሎ ኣዛዚ’ዩ። ነቶም ኣብ መጨወይቲ ዘለዉ ዜጋታት ከገላግሉ ምዃኖም ድማ ብተኣማንነት ይዛረብ።

"እቲ ስርሒት ክቕጽል’ዩ። ተልእኾና ነተን ተሪፈን ዘለዋ ኣዋልድ ቺቦክ ናጻ ምውጻእ’ዩ። እዚ ከኣ ኣካል’ቲ ዝዓበየ መደብን ስርሒትን ሰራዊት ምክልኻል ምዃኑ’ዩ” ይብል።

ንልዕሊ 10 ዓመታት ዕጡቓት ቦኮሓራም ንሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀሪያ ኣብ ራዕዲ የእትዮም ነይሮም’ዮም። ሎሚ ግን ፈጺሞም እኳ እንተ ዘይተደምሰሱ፡ በቲ ዝግበር በበይኑ ስርሒታት ግን ሓይሎም ኣመና ተዳኺሙ’ዩ ይብል ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣቡጃ ናይጀሪያ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG