ሙሓማዱ ቡሓሪ ኣብ ናይጀሪያ ታሪኽ ሰሪሖም ኣለው።ብዴሞክራሲዊ ምርጫ ኣብ ስልጣን ንዝርከቡ ፕሬዝዳንት ጉድላክ ጆናታን ካብ ናይ ስልጣን ወንበሮም ኣልዒሎምዎ ኣለው።እቲ ከቢድ ስራሕ ኣብ እዋን ናይ መረፃ ወፍሪ ቃል ዝኣተውዎም መፅብዓታት ኣብ ምፍፃም እዩ።
ለውጢ ዝብል ቃል ኣብ ዓበይቲ ናይ መፅሓፊ ታቤላታት፣ኣብ ፈቖዶ ወፍሪ ናይ ምረፁኒ ኣኼባታትን ኣብ መንጎ ደገፍቲ ቡሓሪን All Progressives Congress party ዝተብሃለ ፓርቶም ለውጢ ዝብል ቃል ናይ ሰላምታ መለዋወጢ ቃል እዩ ኮይኑ።ሰሪሑ ድማ።ቡሓሪ ናይ ትራንስፎርመሽን ኣጀንዳ ኣማእኺሎም ወፍሪ መረፃ ንዘካየዱ ጆናታን ብ2.5 ሚሊዮን ድምፂ ስዒሮምዎም።
ፖለቲካዊ ተንታኒ ክሪስ ግዎዶ ናይ ቡሓሪ መልእኽቲ ሓያል መሳርሒ ከምዝነበረ ይዛርቡ።ቡሓር ብሜላ፣ብመልእኽቲ ከምኡ እውን ብባህሪ ካብ ጉድላክ ጆናታን ዝተፈለዩ እዮም ይብል።
ቡሓሪ ካ ዝኣተውዎ መፅብዓታት ሓደ ናዕቢ ቦኮ ሓራም ከብቅዕ ምግባር እዩ።ግዕዝይና ንምንካይን ክንክን ጥዕናን ንኹሉ ንምብፃሕን እውን ቃል ኣቲዮም እዮም።
ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ግንቦት ስልጣን ክርከቡ ከለው ኢሎም ኣብ ናይ ናይጀሪያ ጉጅለ ቁጠባዊ ጉባኤ ተንታኒ ዝኾኑ ቹባ ኢዘክወስሊ ቡሓሪ ዕድኡ ንምኽፋል ንዝልቃሕ መንግስቲ እዮም ክወርሱ፣ናይ 2015 ኣ/ፈ በጀት እውን ገና ኣይፀደቐን ምስ በሉ ብምስዓብ ‘’ዝዓበየ ክፋል በጀትና ደመወዝ ንምኽፋል ኢና ንጥቀመሉ።ኣብ 2015 ደመወዝ ንምኽፋል ካብ ባንኪ ዓለም ንልቃሕ ኣንተድኣ ኮይንና ኣብ ዘተሓሳስብ ኩነታት ከምዘለና እዩ ዝሕብር’’ይብሉ።
ዝዓበየ ማእኸል ወፍሪ መረፃ ቡሓሪ ንቦኮ ሓራም ኣብ ምምሓው ዘተኮረ ነይሩ።ቦኮ ሓራም ሳላ ብናይ ወፃኢ ቕፅረኛታትን ወታደራት ጎረባብቲ ሃገራትን ዝተሓገዘ ወታደራዊ ሓይሊ ናይጀሪያ ሎሚ ኣብ ዝተሓተ ብርኪ ይርከብ።ዳርጋ እግሩ ካብ ዝረገፀለን ሰሜን ምብራቕ ከተማታት ተባሪሩ እዩ።
ኣብ ናይጀሪያ ናይ ዝመደብሩ Africa Practice ናይ ዝተብሃለ ኣማኻሪ ትካል ተንታኒት ዝኾና ዳውን ዲሞዎ ቦኮ ሓራም ከመይ ከብቅዕ ከምዝኽእል ብልሓት ክፈጥሩ ዘለዎም ቡሓሪ እዮም ይብላ።