ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዋና ከተማ ናይጀሪያ ቦምብ ተተኲሱ እንተውሓደ 71 ሰባት ሞይቶም


Rescue workers work to recover victims at the site of a blast at the Nyanya Motor Park, about 16 kilometers (10 miles) from the center of Abuja, Nigeria, April 14, 2014.
Rescue workers work to recover victims at the site of a blast at the Nyanya Motor Park, about 16 kilometers (10 miles) from the center of Abuja, Nigeria, April 14, 2014.
ኣብ ዋና ከተማ ናይጀሪያ ኣቡጃ ኣብ ሓደ ናይ ኣውቶቡስ መናሃሪያ ሎማዕንቲ ንጉሆ ሰኒ ቦምብ ተተኲሱ እንተወሓደ 71 ሰባት ምማቶም ፖሊስ ኣፍሊጡ።እዚ ዳሕረዋይ መጥቓዕቲ እስላማዊያን ዕጡቓት መጥቓዕትታቶም እናስፍሑ ምዃኖም ዝሕብር እዩ ይብሉ ተንተንቲ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ሰለስተ ክፍልግዝኣታት ሰሜን ምብራቕ ናይጀሪያ እዋን ሓደጋ እንተተኣወጀ እውን መጥቓዕቲ ቦኮ ሓራም እናወሰኸ ይኸድይ ኣሎ ይብሉ ሰበስልጣን።
ኣባል ፓርላማ ሄርማን ሀምበ ንፀጥታ እዛ ሃገር ንምሕላው ብዙሕ ገንዘብ እንተመደበ እውን ዝኾነ ይኹን ምምሕያሽ ኣየርአይን፤የግዳስ እናገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ኢሎም።

ኣብ 2009 ኣ/ፈ ናዕቢ ካብ ዝጅምር ቦኮ ሓራም ንሕልፈት ኣሽሓት ህይወት ክሕተት ፀኒሑ’ሎ።ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብተን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕን ፈረቓን ጥራሕ ብዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት 1,500 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው ይብል።ናብ ፍርቂ ሚሊዮን ዝፅጋዕ ህዝቢ እውን ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም እዮም።

ቦኮ ሓራም መንግስቲ ተወጊዱ ፅኑዕ እስላማዊ ሕጊ ክትግበር ይደሊ።ብዙሓት ተንተንቲ ምኽንያት ዘይምርግጋእ ፍፁም ድኽነት ብምዃኑ መናእሰይ ሒደት ገንዘብ ንምርካብ ክብሉ ክዋግኡ ዘገድዶም ዘሎ ስራሕ ኣልቦነት እዩ ይብሉ።

ፕሬዝዳንት ክርስቲያናዊ ማሕበር ናይጀሪያ ፓስተር ኣዮ ኦሪሰጃፎር ግን ድኽነት ወይ ምግላል ከይኮነስ እቲ ምኽንያት ጉዳይ ሃይማኖታዊ እምነት እዩ ይብሉ።

ብትምህርትን መሪሕነት ሃይማኖትን ጥራሕ እዩ ምምካት ዝክኣል እውን ኢሎም ንሶም።
ወታደራዊ ሓይሊ ናይጀሪያ ንበኮ ሓራም ስዒረዮ፤በቲ ጉጅለ ተታሒዞም ዝነበሩ ከባቢታት እውን መሊሰ ተቖፃፂረ ኣለኹ ይብል።

እቲ ጉጅለ ነቲ ናይ ሎማዕንቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ኣይወሰደን።ቦኮ ሓራም ብናይ ቪዲዮ መልእኽትታት ኣቢሉ እዩ ምስ ህዝቢ ዝራኸብ።እቲ መልእኽቲ ንምፍናው ግን ማዕልታት ወይ ሰሙናት ክወስደሉ ይኽእል።
XS
SM
MD
LG