ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይጀርያ ብዘጋጠመ ፍንጀራ 3 ሰባት ሞይቶም፡ 77 ቆሲሎም


ኣብ ናይጀርያ ክፍለ ግዝኣት ኦዮ፣ አብ መንበሪ ሓደ ውልቀሰብ ተኸዚኑ ዝነበረ ኣጽዋር ድሕሪ ምፍንጃሩ፣ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ካልኦት 77 ድማ ከምዝቆሰሉ ኣማሓዳሪ’ታ ክፍለ ግዝኣት ሰቲ ማኪንዴ ኣፍሊጦም።

ትማሊ ሰሉስ ወግዓዊ ዝኾነ ሓደ ሰብ ዝቀረጾ ቪድዮ፣ ዝተባርዑ ህንጻታትን መካይንን ከምኡ'ውን በቲ ዝወረደ ሓደጋ ዝራዓዱ ነበርቲ’ቲ ከባቢ የርኢ ነይሩ።

ኣማሓዳሪ ሰቲ ማኪንዴ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ መባእታዊ መርመራታት ከምዘርእዩ፣ ሓደ ዘይሕጋዊ ነባሪ ትሕቲ ዕድመ፣ ነቲ ባርዕ መገበሲ ዝኾኑ ተባራዕቲ ኣጽዋራት ከዚኑ ከምዝነበረ ሓቢሩ ኣሎ ይብሉ።

ማካንዲ ወሲኾም ፍተሻን ምድሓን ህይወትን ቀጺሉ ከምዘሎ ኣባይቶም ንዝሳኣኑ ነበርቲ’ቲ ሓደጋ ዝወረዶ ከባቢ ድማ ጊዚያዊ መዕቆቢ ይዋሃብ ከምዘሎ ጠቂሶም።

ብካልእ ዜና ኣብ ማያዊ ግዝኣት ናይጀርያ ንልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘበን ነዳዲ እናውጸአ ይሸጥ ዝነበረ ኩባንያ ሸል፣ ንብረቱ ብ2.4 ቢልዮን ዳለር ክሸጦ እየ ኢሉ።

እንግሊዛዊ ትካል ነዳዲ ሼል ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ንብረቱ፣ ነቶም ኣብ ትሕቲ ህዳሴ/ሬነሳንስ ዝተወደቡ ሓሙሽተ ዘቤታዊ ትካላት ናይጀርያ ከምዝሸጠሎም’ውን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት’ቲ ውዕል፣ ፈለማ ናይ 1.3 ቢልዮን ክፍሊት፣ ዳሓር ድማ 1.1 ቢልዮን ዶላር ክፍሊት ክፍጸም እዩ።

ኩባንያ ሼል ካብ 1930 ጀሚሩ ኣብ ናይጀርያ ይሰርሕ ዝነበረ ኩባንያ እዩ።

እንተኾነ፣ ብሰንኪ ምልሓኹ፣ ስርቂን ሸርሒታትን ጸገማት ኣወፋፍራን፣ ንዓመታት ኣብ ጸገም ከምዝጸንሐ’ውን እቲ ዜና ይሕብር። ከም ሳዕቤኑ ድማ ንኣዝዩ ክባር ስራሕቲ ጽገናን ወጻኢታትን ተቃሊዑ ጸኒሑ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG