ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፅሕፈት ሕ/መ ኣብ ኣቡጃ - ናይጀርያ ብቦምብ ተወቒዑ


ልዕሊ 18 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ኣቡጃ ናይጀርያ ኣብ መኪና ዝተወደነ ቦምብ ነቲጉ፣ንህንፃ ሕ/ሃ መድሚዱ፣ን18 ሰባት ከምዝቀተለ ተገሊፁ።

ዝራኣዩ ከምዝመስከርዎ፣ሎሚ ዓርቢ ንጉሆ ሓንቲ መኪና ብማዕፆ ቅፅሪ ሕ-መ ጠጒጋ ድሕሪ ምእታዋ‘ዩ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመ።

ኣብ ሓደ እዋን ጋዜጠኛ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ዝነበረት ጆሴፍን ካማራ፣ ንባዓል ቤታ ብመኪና ናብ ቢሮ ሕ/መ ምስ ኣብፀሐቶ እቲ ፍንጀራ ቦምብ ከምዘጋጠመ ትዛረብ።ኣስዒባ ”መሳኹቲ ክሳብ ላዕለዋይ ደርቢ ሓሙኽሽቲ ኮይኑ።ኣብ ሙሉእ‘ቲ ከባቢ ሓፃዊንን ኣዕፃውን ወዲቁ ይራኣይ።ኣባላት ስድራ-ቤት ሰራሕተኛታት ሕ/መ ነዚ ከባቢ መሊኦሞ‘ለው።ሙሉእ ሓይሊ ፖሊስ ኣቡጃ ናብ‘ዚ ከባቢ ዝመፁ እዩ ዝመስል እዚ ከባቢ።ንዝተጎድኡ ካብ‘ቲ ህንፃ ኣብ ምውፃእ‘ዮም ዝርከቡ።ከቢድ ጉድኣት ንዝወረዶም ናብ ሆስፒታል ይወስዱዎም‘ለው” ትብል።

ዋና ፀሓፊ ሕ/መ ባንኪ ሙን፣ነቲ መጥቃዕቲ ከይደንጎዩ ኣውጊዞምዎ።ሚስተር ባን ወሲኾም ”ሰዓት 11 ቅድሚ ምሳሕ፣ኣብ ኣቡጃ ዘሎ ቤት ፅሕፈት ሕ/መ ኣብ መኪና ብዝተወደነ ቦምብ ተወቂዑ‘ሎ።እቲ ህንፃ‘ቲ ኣብያተ-ፅሕፈት 26 ትካላት ሕ/መ‘ዩ።እዚ መጥቃዕቲ‘ዚ፣ንሰባት ንምሕጋዝ፣ህይወቶም ኣብ ልዕሊ ዝወፈዩ ሰራሕተኛታት ዝዓለመ መጥቃዕቲ‘ዩ።ነዚ ጨካን መጥቃዕቲ ብፅኑዕ ነውግዞ” ኢሎም።

ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝተቀትሉን ከምዝቆሰሉን ዘፍለጡ ባን ኪ-ሙን፣ መን‘ዩ ተሓታቲ ንዝብል ሕቶ ህውኽ መልሲ ክህቡ ኣይመረፁን።እንተኾነ ግብረ-ሸበራዊ መጥቃዕቲ ተቀባልነት ዘይብሉ‘ዩ፤ ንህዝቢ ናይጀርያን ህዝቢ ዓለምን ካብ ነበርክቶ ረባሒ ተግባራት ግና ኣይገትኣናን ኢሎም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣መራሒ ናይጀርያ ፕረዚደንት ጆናታን ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፣እቲ መጥቃዕቲ ኣረመንያዊ፣ትርጉም ዘይብሉ ናይ ፈራሓት በትሪ ክብሉ ኣውጊዞምዎ።

XS
SM
MD
LG