ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊ መሪሕነት ኒጀር ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ዝጸንሓ ምትሕብባር ሰሪዙ


ኣብዱራሃምን ትቺያኒ - ፋይል
ኣብዱራሃምን ትቺያኒ - ፋይል

ብወታሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ዝሓዘ ጁንታ ኒጀር፡ እታ ምዕራባዊት ሃገር ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝጸንሓ ናይ ወታሃደራዊ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ትማሊ ሰኑይ ሰሪዙ ኣሎ። እዚ ናይ ትማሊ ሰኑይ ውሳነ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣካላት ድሕሪ ወርሒ ሓምለ ዝጸንሐ ምትፍናን ናብ ዝለዓለ ብርኩ የዕሪጉ ምህላዉ ኣገልግሎልት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ይሕብር።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ቅድሚ’ቲ ውዕል ውዱቕ ምግባሩ፡ ብምኽትል ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ዝምራሕ ልኡኽ ምስ መራሒ እቲ ዕልዋ ዝዀነ ኣብዱራሃምን ትቺያኒ ተራኺቡ ኔሩ። ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዝወጽአ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ሩስያን ኒጀርን ዝህሉ ወታሃደራዊ ርክብ ከሓይሉ ተሰማሚዖም ኣለዉ።

ንፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ድሕሪ ዝኣለየ ዕልዋ መንግስቲ፡ ኒጀር ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ማዕቀባት ስለ ዘላ፡ ምስ ሩስያ እትገብሮ ወታሃደራዊ ጽምጾ፡ ነቲ ጁንታ ስልጣኑ ኣብ ምቕጻል ትንፋስ ክህቦ ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይኣምኑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG