ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቡርኪናፋሶ፡ ማሊን ኒጀርን ካብ ኤኮዋስ ምውጽኣን ኣፍሊጠን


ባንዴራ ኣባል ኤኮዋስ ዝኾና ሃገራት - ፋይል
ባንዴራ ኣባል ኤኮዋስ ዝኾና ሃገራት - ፋይል

ቡርኪናፋሶ፣ ማሊን ኒጀርን ካብ ኣባልነት ደንበ ማሕበረሰብ ቁጠባ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ(ኤኮዋስ) ምውጽኣን ኣፍሊጠን። ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ወግዓዊ ውሳነ ገና ከምዘይበፅሖ ዝሓበረ ኤኮዋስ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ደውታ ብልዝብ ንምፍታሕ ድልው ምኳኑ ሓቢሩ'ሎ።

ወታሃደራዊ መሪሕነት ቡርኒናፋሶ፣ ማሊን ኒጀርን ንኣባል ሃገራት ሓደጋ ኮይኑ ኣሎ ክብሉ ብምግላፅ ካብቲ ደንበ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምውፅኦም ትማሊ ሰንበት 28 ጥሪ 2024 ኣፍሊጦም።

መራሕቲ ሰለስትአን ሃገራት ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ካብ ማሕበረሰብ ቁጠባ ሃገራት ምዕራፍ ኣፍሪቃ "ብዘይ ውዓል ሕደር’’ ምውፃእ "ልኡላዊ ውሳነ’’ እዩ ኢሎም።

ኣንፃር ጂሃዳዊ ህውከትን ድኽነትን ይቃለሱ ዘለው ስርዓታት ኣብ ኒጀር ኣብ ወርሒ ሓምለ፣ ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣብ 2022 ኣብ ማሊ ድማ ኣብ 2020 ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ምስ ሓዙ ምስ ኤኮዋስ ዘለዎም ርክባት ወጥሪ ዝተመልኦ ኮይኑ'ዩ ፀኒሑ።

ኤኮዋስ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ምስ ሰለስቲአን ሃገራት ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ብልዝብ ንምፍታሕ ድልዊ ምኳኑ ብምግላጽ ካብ ኣባልነት ምውፅአን ስሩዕ ዝኾነ ቀጥታዊ ደብዳበ ከምዘይበፅሖ ሓቢሩ'ሎ።

መስረቲ ናይቲ ኣብ 1975 ዝተጣየሰ ደንበ ዝኾና ሰለስቲአን ሃገራት ካብ ኣባላነት ተኣጊደን እየን ጸኒሓን። እቲ ደንበ ብምርጫ ኣቢለን ናብ ስቪላዊ መንግስቲ ክምለሳ ብምድፋእ ኣብ ልዕሊ ኒጀርን ማሊን ከቢድ እገዳ ኣንቢሩለን እዩ።

ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ መግለፂአን "ዕጫኣን ባዕለን ክውስና" ኣብ ዝፈተናሉ እዋን ዝተነብሩ እገዳታት "ዘይምኽኑይን ተቐባልነት ዘይብሉን’’ እዩ ኢለን ።

ሰለስቲአን ሃገራትን መርገፂአን ብምትራር ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ሓይልታተን ምስ "ጥምረት ሃገራት ሳሕል’’ የሕብራ ኣለዋ።

ናይቶም መራሕቲ ሓባራዊ መግለፂ ብምውሳኽ 15 ኣባል ሃገራት ዝሓቖፈ ኤኮዋስ "ዝተመስረተሉ መትከላት ራሕሪሑ ኣብ ውሽጢ ተፅዕኖ ሓይልታት ወፃኢ ብምእታው ንኣባል ሃገራትን ህዝብታተንን ስግኣት ኮይኑ ኣሎ’’ ይብል።

ካብ ኣባልነት ኤኮዋስ ምውፅአን ግን ኣፍደገ ባሕሪ ንዘይብለን ሰለስቲአን ሃገራት ንግዳዊ ምንቅስቃሳተን ኣፀጋሚ ከምዝገብሮን ዋጋ ኣቑሑት ድማ ክውስኽ ከምዝኽእል ብተወሳኺ ዜጋታተን ካብን ናብን ኣባል ሃገራት ንክጉዓዙ ቪዛ ከድልዮም እዩ።

ፈረንሳ ካብ ወታሃደራዊ ስርዓታት ብዝበፅሓ ፀቕጢ ኣምባሳደራታን ወታሃደራታን ኣውፂኣ ሩሲያ ነቲ ወታሃደራዊን ፖለቲካውን ክፍተት ክትሽፍኖ ትርአ ኣላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG