ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኒጀር ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተታሕዘ ወርቂ ዝምልከት መርመራ ምጅማሩ ኣፍሊጡ


ፖሊስ ኒጀር - ፋይል
ፖሊስ ኒጀር - ፋይል

ፖሊስ ኒጀር ነቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተታሕዘን ካብ ኒያመ ዝመጸ እዩ ዝተባህለ ልዕሊ ሓደ ቶን ወርቂ ዝምልከት መርመራ ምጅማሩ ትካል ዜና ፈረንሳ ካብ ኣካላት ፍትሒ ኒጀር ሓበሬታ ምርካቡ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተታሕዘ ወርቂ ልዕሊ 91-ሚልዮን ዮሮ ዝግመት 1,400 ኪሎ ግራም ምዃኑ ንዓለምለኸ ግልጹነት ዝሰርሕ ትራንስፓረንስ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ'ሎ።

ቀጺሉ ንዘሎ ዕላማ መርመራ ምስ ፖሊስ ኒጀር ርክብ ከምዝተገብረ ሚኒስተር ፍትሒ ኒጀር ዓልኦ ዳውዳ ንህዝቢ ብሬድዮ ገሊጾም'ለዉ።

ብኻልእ ዜና ወታሃደራዊ መንግስቲ ኢሉ ርእሱ ዝሰየመ መንግስቲ ኒጀር ሓድሽ ፍቃድ ስራሕ ዕደና ምሃብ ንግዚኡ ደው ምባሉን ኣብቲ መዳይ ምጽራይ ከምዝጀመረን ሚኒስትሪ ማዕድን እታ ሃገር ኣፍሊጡ ። ትካል ዜና ሮይተርስ ዝረኣዮን እቲ ሚኒስትሪ 22 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት ኣይገለጸን።

ኒጀር ብምህርቲ ማዕድን ዩራንየም ኣብ ዓለም ሻዎኣይ ደረጃ ትሕዝ ሃገር እያ።

ሓያለ ትካላት ወጻኢ ሃገራት እውን ኣብታ ሃገር ኣብ ዕደና ወርቂ ዝዓዩ ምህላዎም ይግለጽ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG