ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊ መሪሕነት ኒጀር ፕረ.ባዙም ክሃድሙ ፈቲኖም ክብል ሓቢሩ


ካብ መዝነቶም ዝተ ኣልዩ ፕረዚደንት ኒጀር መሃመድ ባዙም - ፋይል
ካብ መዝነቶም ዝተ ኣልዩ ፕረዚደንት ኒጀር መሃመድ ባዙም - ፋይል

ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተው ፕረዚደንት ኒጀር መሃመድ ባዙም ምስ ስድራኦም ናብ ሎሚ ኣብ ዘውገሐ ለይቲ ከምልጡ ፈቲኖም ከምዝፈሸሎም’ ወትሃደራዊ መራሕቲ’ታ ሃገር ገሊጾም።

ኮሎኔል ኣማዱ ዓብደራማን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውገሐ ለይቲ፣ ፕረዚደንት በዙም፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ትጽበዮም ናብ ዝነበረት መኪና ንክኣትውን ብኡ ኣቢሎም ናብ ርእሰ ከተማ ኒጀር ንያመይ ክኣትው ካብኡ ብናይ ወጻኢ ሓይሊ ብዝተዳለዋ ክልተ ሄሊኮፕተራት ናብ ናይጀርያ ንክኣትው ምቅርራባት ተገይሩ ከምዝነበረ ጠቂሱ።

ኮሎኔል ዓብዱራማን ‘ንኒጀር ንምህዋኽ ተፋሒሱ ዝነበረ ውዲት ፈሺሉ’ ከምዝበለ’ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።

ኣመሪካ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት በዙም ዝተፈጸመ ተግባር ሰራዊት "ዕልዋ መንግስቲ’ዩ" ኢላ ከምዝገለጸቶ ዝዝከር እዩ። ኣመሪካ ኣስዒባ፣ ንኒጀር ዝመደበቶ ብኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ዝቑጸር ምድስካሉ እያ።

ብዝተኣሳሰረ ምዕባለ፣ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮ ‘ሃገሮም ምስ ኒጀር ዝጸንሓ ወትሃደራዊ ስምምዕነት ከምዝሰረዘትን፣ ኣብ’ታ ሃገር ዝሰርሑ ኣምባሳደራ ከምትስሕብን ኣፍሊጦም ኣለው።

ወትሃደራት ፈረንሳ፣ ዛጊድ ካብ ጎረባብቲ ኒጀር ዝኾና ማሊን ቡርኪናፋሶን ከምዝተባረሩ ዝዝከር እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG