ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኒጀር ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ 29 ወታሃደራት ሞይቶም


ካርታ ኒጀር
ካርታ ኒጀር

ኣስታት 29 ኒጀርያዊያን ወታሃደራት ኣብ ጥቃ ዶብ ማሊ ብዕጡቓት ጂሃዲስት ምቕታሎም ወታሃደራዊ መሪሕነት ኒጀር ገሊጾም።

ሚኒስተር ምክልኻል ኒጀር ሌ/ጀነራል ሳሊፉ ሞዲ ብሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣስታት 100 ዝኾኑ ጥሩፋት ን ኣባላት ጸጥታ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዒላማ ብምግባር ኣብ ገዛ ብዝተሰርሓ ነታጊ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ነቶም 29 ወታሃደራት ምቕታሉ ሓቢሮም።እዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ኒጀርያዊያን ወታሃደራት ዘጋጠመ ካልኣይ መጥቃዕቲ ምኳኑ ሚንስተር ምክልኻል'ታ ሃገር ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው።

ገሊኦም ኒጀራዊያን መጸናንዒ መግለጺታት ክህቡ ከለው፣ ካልኦት ዜጋታት’ታ ሃገር ግና፣ ሓድሽ መንግስቶም፣ ነታ ሃገር፣ ካብ መጥቃዕቲ ደባይ ተዋጋእቲ ከድሕና ግዲ ኣይኽእልን ናብ ዝብል መደምደምታ በጺሖሞ ይርከቡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG