ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጥቃዕቲ ኒስ ፈረንሳ ብቓላት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን


France Truck Attack
France Truck Attack

ባስቲል ደይ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ መዓልቲ ናጽነት ፈረንሳ ኣብ ኒስ ዝተባህለት ከተማ ፈረንሳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ቕትለት ዝተተንከፈ ኤርትራዊ ይኹን ኢትዮጵያዊ ከምዘየለ ነበርቲ እታ ከተማ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም።

ተቐማጢ ኒስ ዝኾነ ኤርትራዊ ዓንዳት ተስፋማርያም ቀቅድሚ እቲ ሓደጋ ምስ ብጾቱ ኣብቲ ርችት ዝትኮሰሉ ዝነበረ ቦታ ከምዝነበረ ጠቒሱ። ይኹንምበር እቲ ኩነታት ድሕሪኡ ከምዝተፈጸመ ኣረዲኡ። ምስቶም ተቐማጦ እታ ከተማ ዝኾኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኩነታቶም ንምፍላጥ ድሃይ ኣብ ዝገበረሉ በቲ ሓደጋ ዝተተንከፈ ከምዘየለ ድማ ኣረጋጊጹ።

ኣበባ ገብረማርያም ዝተባህለት ኢትዮጵያዊት ተቐማጢት ኒስ ብወገና ኣብቲ ቦታ ሓደጋኳ እንተዘይነበረት ሓበሬታ ናይቲ ኩነታት ድሕሪ ምስምዓ ንመቕርባ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ተወኪሳ ኩሎም በቲ ሓደጋ ከምዘይተተንከፉ ከምዝፈለጠት ገሊጻ። ንሳ ብተወሳኺ ድሕሪቲ ሓደጋ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሓትሉ ዝተሰባበረ ሞባይላትን ካልእ ውልቃዊ ንብረትን ኣብ ፈቐድኡ ዛሕ ኢሉ ከምዝተዓዘበት ሓቢራ።

ብመሰረት ጸብጻብ ፖሊስ ፈረንሳ በቲ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ፈረንሳ ዘጋጠመ ሓደጋ 84 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ ደርዘን ዝኾኑ ድማ ከምዝቖሰሉዩ ሓቢሩ።

መሓመድ ላህጁላህ ቦህለል ዝተባህለ መቦቆሉ ቱኒዝያ ዝኾነ ፈረንሳዊ በጣሕ ዝዓይነታ ዓባይ መኪና ናብ በዓል ናጽነት ፈረንሳ ይጽንብል ዝነበረ እኩብ ህዝቢ ሒዙ ብምእታው በታ ማኪና ሰባት ረጊጹ ከምዝቐተለ ተገሊጹ።

ሙሉእ ትሕዝቶኡ ቪድዮን ድምጽን ትሕት ኢሉ ይርከብ።

መጥቃዕቲ ኒስ ፈረንሳ ብቓላት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:01 0:00

መጥቃዕቲ ኒስ ፈረንሳ ብቓላት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:20 0:00

XS
SM
MD
LG