ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ 1 ሰብ ሞይቱ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ኒውዮርክ ትማሊ ሰንበት ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ቀላይ ሃድሰን ብዘጋጠመ ውሕጅ ብዉሑዱ ሓደ ሰብ ከምዝሞተን ጎደናታት ብምዕልቕላቑ ከምዝተዓጽወን ተገሊጹ።

ብሰንኪ’ቲ ቀስ ኢሉ ዝጀመረን ደሓር ልዕሊ 10-ሴንት ሜትር ዝሃረመ ዝናብ ዝወረደ ጉድኣት ዳህሳስ ክሳብ ዝካየድ ምፍላጥ ከምዘይተከአለ ተገሊጹ'ሎ።

እንተኾነ ግን በቲ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ ድሮ ብዓሰርተታት ሚልዮን ዶላር ዝግመት ጉድኣት ምስዓቡ ሰበ ስልጣን'ታ ከተማ ኣፍሊጦም’ለዉ።

ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ካቲ ሆኩ ንመደበር ሬድዮ WCBS ሓያለ ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ’ሎ ሓደ ገዛ ኸኣ ብውሕጅ ተወሲዱ’ሎ ክብሉ ሓቢሮም።

እተን ኣመሓዳሪት ካብ ከታማ ኒዮርክ ኣስታት 96-ኪ ሜትር ርሒቃ ኣብ ዝርከብ 20-ሴንት ሜትር ዝናብ ዝፈሰሰሉን ኦሬንጅ ካውንት ኣዋጅ ህጹፅ እዋን ኣዊጀን’ለዋ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG