ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገብረእግዚአብሄር ገብረማርያም ኣብ ማራቶን ኒዮርክ ተዓዊቱ


ገብረእግዚአብሄር ገብረማርያም ኣብ ኒዮርክ ኣብ ዝተኻየድ ውድድር ማራቶን ደቂ-ተባዕትዮ ቀዳማይ ኾይኑ ተዓዊቱ። ገብረእግዚአብሄር ነቲ 42.2 ኪሎ ሜትር ንኽውድእ ዝወሰደሉ ጊዜ 2 ስዓት 8 ደቂቅን 14 ሴከንድን’ዩ።

ኣብቲ ውድድር ክዕወት’ዩ ተባሂሉ ዝነበረ ናይ ዓለም ሪኸርድ ዝዓተረ ሃይለ ገብረስላሴ ኣስታት 25 ኪሎ ሜትር ድሕሪ ምጉያዩ ብርኩ ስለ ዘሐሞ ካብቲ ውድድር ወፂኡ፣ ብድሕሪኡ ጥሮታ ከምዝወፅእ ገሊፁ።

ኣብ ውድድር ደቅ-ኣንስትዮ ድማ ኬንያዊት ኤድና ክፕላጋት ቀዳመይቲ ኾይና ተዓዊታ’ላ።

ካብ መንጎ’ቶም 45,000 ጎየይቲ ሓደ ዝነበረ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ መብ ክፍለዝጊ 6ይ ኾይኑ ወፂኡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG